Sunday, April 6, 2014

ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት ማቴ 22፡1-14



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት
ማቴ 22፡1-14
(Click to read PDF)ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል እግዚኣብሔር ከነብበሉ ዝግበኣና ኣገባብ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ይመስል፡
1.     ብነጸላ ትርጉም፡ ንኣብነት ኣበ ብዙሃን ኣቦና ኣብርሃም፡ ካብ ካራን ናብ ከንኣን ዝገበሮ ጉዕዞ ወይ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት፡ <<ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ>> ይብል። ነዚ ቃል ብቀጥታ ኣንቢብና ክንርድኦ ንኽእል። ምኽንያቱ ትርኻዊ መልክዕ ስለዘለዎ።
2.    ምሳሌያዊ ትርጉም፡ ንኣብነት፡ ዘልኣለማዊ ድንግልና ናይ ኣዴና ቅድስቲ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ <<ኣቲ ሓብተይ መርዓተየ እጽውት ገነት ዕጽኢ ዔላ ሕቱም ዐይኒ ማይ ኢኺ>> (መሃ 412)፡ ነዚ ሓይለ ቃል ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ በልና ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ
ዓይኒ ማይ = ከመይ ገይራ ትሕተም፤
ዒላ = ከመይ ገይራ ትዕጾ

ዓይኒ ማይ ካብ ከውሒ ትፍልፍል ካብ መሬት ማይ ካብ ዝተኣከበሉ ክፍሊ ናብ ደገ ዝወጽእ ንእሽተይውን እንተኾነ ከፋት (ቀዳድ) የድልዮ እዩ። ስለዚ ጥበበኛ ሰሎሞን ብምሳሌ ጌሩ ዘልኣለማዊ ድንግልና ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ይነገር። ተወሳኺ ኣብነት ዝኾነና፡ ትንቢተ ሕዝቅኤል ምዕራፍ 44 ብዛዕባ እታ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ክንበ እንከሎ፡ <<እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል እትዩላ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር>>  ዘልኣለማዊ ድንግልና ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንል ማርያም ዝነግር ቃል እዩ።

3.    ምሥጢራዊ ትርጉም፡ ንኣብነት፡ <<ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል>> (ማር 1025) ብነጸላ ትርጉም ክንትርጉሞ እንተ ፈቲና፡ ሃብታም ኣይጸድቅን እዩ ክንብል ኢና። እዚ ድማ ግጕይ መረዳእታ ይህበና። ምኽንያቱ ብዙሓት እግዚኣብሔር ዘፍቀሮም ዝሓረዮም፡ ሃብታማት ኣለው። ኣቀዲምና ከም ዝጠቀስናዮ ኣበ ቡዙሃን ኣቦና ኣብርሃም፡ ጻድቕ እዮብ ካልእን ክጥቀሱ ይከኣሉ። ዝገራጮ መረዳእታት ምእንቲ ከይህልወና ድማ፡ እቲ ምሥጢሩ እንታይ እዩ፤ ክንብል ኣገዳሲ እዩ። ምሥጢራዊ ትርጉሙ፡ ሃብታም ዋላኳ ሃብቲ እንተ ሃለዎ ንገንዘቡ ካብ ዘለዎ ስስዐ ዝተላዕለ ሠናይ ከይሰርሓሉ ንዝተርፍ ሃብታም። እዚ ከኣ ካብ ነብሱ ንገንዘቡ ኣብሊጹ ካብ ምፍታው ዝተላዕለ እዩ።
ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ወንጌል ማቴ 22 ንዘሎ ሓይለ ቃል ወሲድና ብዛዕባ ምሳሌያዊ ትርጉም ክንርኢ ኢና፡ <<ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል፡ ንሱ ኸኣ ነቶም ናብ ናብ መርዓ ዝተዓደሙ ክጽወዖም ኣገልገልቱ ለኣኸ ግናኽ ከመጹ ኣይደለዩን። መሊሱ ድማ ነቶም ዕዱማት እነሆ መኣዲ ኣደልየ ኣለኹ ሰቡሓት ሓሪደ ኩሉ ተዳልዩ ኣሎሞ ናብ መርዓይ ንዑ በልዎም ኢሉ ካልኦት ኣገልገልቲ ለኣኸ እቶም ዕዱማት ግና ሸለል ኢሎም ከዱ ገሊኦም ናብ ግራቶም ከዱ እቶም ዝተረፉ ድማ ነቶም ኣገልገልቲ ሒዞም ኣዋረድዎምን ቀተልዎምን፡ እቲ ንጉስ ተቖጢዑ ወተሃደራቱ ልኢኹ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፈኦም ከተማኦምውን ኣንደዳ። ሽዑ ንኣገልገልቱ ከምዚ በሎም መርዓይሲ ዝተዳለወ እዩ ግናኸ እቶም ዝዓደምናዮም ኣይብቑዓትን እዮም። ስለዚ ናብ ቀራናታት መገዲ ኪዱሞ ንዝረኸብኩሞ ዘበለ ኹሉ ናብ መርዓ ጸውዑ እቶም ኣገልገልቲ ድማ ናብ መገድታት ወጺኦም ንሕያዎትን ንሕሱማትን ዝረኸብዎ ኹሉ ኣከቡ እቲ ኣዳራሽ መርዓ ኸኣ ብኣጋይሽ መልአ። እንተኾነ እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ክርኢ ምስ ኣተወ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ኣብኡ ረኣየሞ ዓርከይ ክዳን መርዓ ከይተኸድንካ ከመይ ኢልካ ናብዚ ኣተኻ በሎ ንሱ ግና ትም በለ ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ ከምዚ በሎም ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ናብ ዘለዎ ፍጹም ጸልማት ኣውጺእኩም ደርብይዎ። ከመይ ጽውዓት ብዙሓት እዮም ሕሩያት ግና ውሑዳት እዮም።>> ማቴ 22፡1-14
ንጉስ > መርዓ > ዕዱማት > ባሮት(ልኡኻት) > ክዳን መርዓ 
1.    እቲ ንጉስ ዝተባህለ እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ ብመርዓ ዝተመሰለት ድማ ኦሪት እያ። እቲ ውራይ ዝተባህለ ተኣምራት ረድኤትን በረኸትን እዩ። ዕዱማት ቤተ እስራኤል እዮም። እቶም ብቐዳምነት ዝተላእኩ ባሮት ናይ ዓበይቲ ነብያት ምሳሌ ክኾኑ ከለው ስዒቦም ዝተላእኩ ባሮት ከኣ ናይ ደቂቀ ነብያት ምሳሌታት እዮም።
ናይ እግዚኣብሔር ትንቢት ዝተነግረሎም ቤተ እስራኤልን ብናይ ኦሪት ሕጊ ክኣምኑ ምእንቲ ብመጀመርታ ዓበይቲ ነብያት ኣስዒቡ ኸኣ ንደቂቀ ነብያት ልኢኹሎም። ቤተ እስራኤል ግን ነቲ ሕጊ ኣይንኣምንን ኢሎም። ናብ ኣምልኾተ ጣኦትን ናብ ገቢረ ሓጥኣን ኣድሓርሓሩ። ነቶም ናብኦም ዝተላእኩ ነብያትውን ብሓዊ ኣቃጸሉዎም፡ ብመጋዝ ቆራረጽዎም፡ በእማን ወገርዎም (ወቒዖም) ቀተልዎም። ጐይታና ኣብ ወንጌል ንጸሓፍትን መምሃራን ሕግን ፈሪሳውያንን <<እምበኣርከስ ደቂ ቀተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕልኻትኩም ትምስክሩ ኣለኹምእንሆ ነብያትን ጠቢባን መምህራን ሕግን እልከልኩም ኣለኹ ንገሊኦም ትቀትሉን ትሰቕሉን ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ውን ትሰጉዎም ኣሎኹም። እቲ ካብ ደም አቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳብ ደም’ቲ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልክሞ ዘካርያስ ወዲ ባራኪዮ ሕነ’ቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ኩሉ ደም ጻድቕ አባኻትኩም ክበጽሕ እዩ። እዚ ኹሉ ነዚ ወለዶ’ዚ ከምዝበጽሖ ብሓቂ እብለኩም አለኹ፡>> ማቴ 23፡31-36።

ጐይታና አብ ናይ ዓንቀጸ ብጹኣን ትምህርቱ ንደቂ መዛሙርቱ <<ምእንታይ እንተጸረፉኹምን እንተሰጐኹምን ኩሉ ክፉእ ዘበለ ድማ ብሓሶት እንተተዛረቡልኩምን ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነብያት ኣሳዲዶሞም እዮም’ሞ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ስለዝኾነ ተሓጎሱ ባህውን ይበልኩም።>> ማቴ 5፡11-12 ።

ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ <<እቲ ዝበለጸ ትንሳኤ ምእንቲ ክረኽቡ ብላግጽን ብመግረፍትን ኣብ ልዕሊዚ ብመቑሕን ማእሰርትን ተሳቐዩ ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ ብመጋዝ ተቖርጹ ተሰይፎም ሞቱ ኣጎዛ አባጊዕ ዲኖ ኣጣል ተኸዲኖም ዞሩ። ሰኣኑ፡ ጸበቦም ሓሳረ መከራ ረኸቡ ዓለም ንዓታቶም ዘይትበቅዕ ስለዝኾነት ድማ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ ኣኽራናትን በዓትታትን ኣብ ጐዳጉድን ምድርን ኮለል በሉ። ኣምላኽ ብዛዕባና ዝሓይሽ ስለዝሓለየ ብዘይካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ከይበጽሕስ እዚኣቶም ኩላቶም ብእምነትኳ ተመስኪርሎም እንተኾነ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።>> እብ 11፡36-40 ።

በዚ ምኽንተያትዚ ኣብ ላዕሊ ብምሳሌ ከምዝተገልጸ እግዚኣብሔር ንእስራኤል ዘስጋ ተቖጢዑ ኣብ ልዕሊኦም ብጭፍርኡ ዝተመሰሉ ነገስታት ፋርስን ነገስተ ባቢሎንን ኣተንሲኡ ቀጥቲጥዎም እዩ። ኤር 39፡1-10 ናይ መርዓ ክዳን ከይተኸድኑ ንሕገ ኦሪት ከይፈጸሙ እቲ ውራይ ማለት ተኣምራቱ ረድኤቱን ባርኾቱን ከይተገበኦም ዝደልዩ ሰባት ይመስል።

2.    ንጉስ ዝተባህለ እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እታ መርዓ ዝተባህለት ወንጌል እያ። እቲ ውራይ ውሉድነት (ውሉድነት እግዚኣብሔር)፡ ብጥምቀት እንረኽቦ ውሉድነት እዩ። ከምኡ ኸኣ ብቐዳምነት ዝተላእኩ ባሮት እቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሰዒቦም ዝተላእኩ ከኣ ናይ ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ ኣብነት እዮም።

ጐይታና ነቶም ትንቢት እተዘርበሎም ቤተ እስራኤልን ተስፋ መስቀል ዝተነግረሎም ኣህዛብን ወንጌል ሰበኹ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም እንዳበለ ለኣኾም ማቴ 28፡19-20፡ ማር 16፡15 እንተኾነ ግና ቤተ እስራኤል ንጐይታ ዕሩቕ ብእሲ (ሎቱ ስብሓት) ንወንጌል ድቓላ ሕጊ ኢሎም ብምንቃፍ ኣይንኣምንን በሉ። ንኹሉ ሕርሻኹም ንግድኹምን ወይንኹምን ግደፉ፡ ዝብል ሕጊ ኣይንደልን በሉ። ነቶም ናብኦም ዝተላእኩ ከኣ መከራ ኣብጸሑሎም ክሳብ ንሞት ዘብጽሕውን ኣሳደድዎም። ነዚ እዩ ከኣ ጐይታና <<ኣብ ዓለም ክሳብ ዘለኹም መከራ ክትረኽቡ ኢኹም>> ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ዘጠንቀቖም። እንተ ኾነ ግና <<ኣጆኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ>> ብምባል ኣጸናኒዕዎም ዮሓ 16፡33።

እምበኣርከስ በዚ ምኽንያት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንንጉስ ሮም ብምትንሳእ ንእስራኤል ቀጺዕዎም’ዩ።
<<ሽዑ ንኣገልገልቱ ከምዚ በሎም መርዓይሲ ዝተዳለወ እዩ ግናኸ እቶም ዝዓደምናዮም ኣይብቑዓትን እዮም።>> ህዝቢ ዓለም ኣብ ክልተ ተፈልዩ ነበረ፡ ማለት እስራኤል ብግዝረት፡ ኣህዛብ ድማ ብቑልፈት (ብዘይግዝረት)፡ ህዝበይ ዝበሎም እግዚኣብሔር ብሕጉን ስርዓቱን ክመላለሱ ብተደጋጋሚ ብፍቓዱ ዝመላለሱ ሰባት እናሰደደ ጸዊዑዎም እዩ። ቤተ እስራኤል ግና፡ ናብ ኣምልኾተ ጣዖት ካብ ዘምበሉ፡ <<ስለዚ ናብ ቀራናታት መገዲ ኪዱሞ ንዝረኸብኩሞ ዘበለ ኹሉ ናብ መርዓ ጸውዑ>> ከም ዝበለ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ። ብኣቆጻጽራ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና ድማ ዘመኑ ዘመነ ሉቃስ ዕለቱ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ናይ ለይቲ ኣብ መበል ዓመቱ እዩ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። (ሉቃ 323 ፍትሓ ነገ 19 ድስቅ 29 ተረፈ ቄርሎስ ተመልከት) ። እዚ ድማ ኣብ ክልተ ተፈልዩ ዝነበረ ህዝቢ ዓለም ሓደ ንኽገብር ጐይታ ተጠምቀ። ስለዚ ርስቲ መዋርስቲ ቅዱሳን ንምዃን ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ብኣፍ ደገ ጥምቀት ዓቢ ህያብ ተዋሂቡና። ነዚ ኣመልኪቱ ጐይታ፡ ንኒቆዲሞስ፡ <<ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን።>> (ዮሓ 3፡5) ናይ መርዓ ክዳን ዘይተኸድነ ሰብ፡ ሕጊ ወንጌል ከይፈጸመ ወዲ እግዚኣብሔር ክኾኑ ናይ ዝትምነዩ ኣብነት እዩ።

3.    ንጉስ ዝተባህለ እግዚኣብሔር እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ብራእይ ናይ ነገስታት ንጉስ ከምዝበሎ ራእ 17፡14፣ 19፡16 እታ ቤት መርዓ ዝተባህለት ከኣ ሰማያዊት መርዓት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዝመስረታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። እቲ ውራይ ዝተባህለ ቅዱስ ስጋ ወደሙ እዩ። ልኡኻት ዝተመስሉ ኸኣ ካህናት ክኾኑ ከለው ዕዱማት ከኣ ናይ መእመናን ኣብነት እዮም። በዚ መሰረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምእመናን ናብቲ መርዓ/ ናብ ቤተ ክርስቲያን/ ከመጹ’ሞ ኣብቲ ውራይ /ስጋ ወደሙ/ ክቕበሉ መምህራንን ካህናትን ለኣኸ። እንተኾነ ግና ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ነጋዳይ ናብ ንግዱ ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ምኽኒት ብምግባር ናብቲ መርዓ ክመጹ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት ከኣ ንጉስ ብጥሜትን ምንቅጥቃጥ መሬትን ብውግእን ብሕማምን ክቐጽዖም እዩ። ማቴ 24፡7 ናይ መርዓ ክዳን ከይተኸድኑ ዝመጹ ሰባት ንስሐ ከይኣተዉ ነቲ (ውራይ) ዝተባህለ ስጋ ወደሙ ክቕበሉ ንዝደለዩ ይምሰሉ።
4.    ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ መርዓ መንግስተ ሰማያት እቲ ውራይ ናይ ዘልኣለም ሂወት ልኡኻት ከም መምህራን ዕዱማት ከኣ ከም ምእመናን እዮም። ይኹን እምበር ኣብ ድሌት ናይ ስጋ ዘለው ሰባት ናይ መንግስተ ሰማያት ጻውዒት ኣይቅበሉን እዮም። ንመምህራን ይነቕፉ፡ ንትምህርቲ ሃይማኖት ይነቕፉ። እዚኣቶም ከኣ ኣብ ሲኦል ኣብ ገሃነም እሳት ክድርበዩ እዮም። እቶም ፈራሓት ከሓድቲ ርኹሳትን ቀተልቲ ሰብን ኣመናዝርን ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለው ሓሰውትን ግና ግዲኦም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቀላይ እዩ። እዚ እቲ ካልኣይ ሞት እዩ። ናይ መርዓ ክዳን ዘይተኸድኑ ሃይማኖት ምስ ግብሪ ከይተግበሩ፡ መንግስተ ሰማይ ክንወርስ ኢና ናይ ዝብሉ ኣብነት ክኸውን ከሎ ነዚ ብዘይምፍጻሞም ንገሃነም ፍርዲ ክወሃቡ’ዮም።
5.    ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ መርዓት ዝተባህለት ከኣ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ። ሊቅ ኣባ ኤፍሬም <<ድንግል ማርያም መርዓት ንጽህተ ንጹሃን ቤት መርዓ እያ>> ከምዝበለ ኣዴና ማርያም ቤት መርዓ እያ ንብል (ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ)። ምኽንያቱ ካብ ስጋአ ስጋ ካብ ነብሳ ንብሲ ተወሃሂዱ ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማያዊ መርዓዊ መሲሉ ተዛሪቡ ማቴ 9፡15።

መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ከኣ ብዛዕባ ጐይታ ክዛረብ ከሎ <<እቲ መርዓት ዝበለቶ ንሱ መርዓዊ እዩ ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ ምርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጎስ። ደጊም እዚ ሓጎሰይ ተፈጸመ። ንሱ (መርዓዊ ኢየሱስ ክርስቶስ) ክዓቢ ኣነ ትሕት ክብል ይግባእ። ዮሓ 3፡29-30 ። ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስቶስ ብመርዓዊ መሲሉ ተዛሪቡ እዩ። ኤፌ 5፡21-33 እቲ ውራይ ናይ እግዚእትነ ወላዲትን ኣማላዲትን ምዃና እዩ። ልኡኽ ዝተባህሉ ብኣቦታት ብነብያት ኣብ ክንዲ ደቃ ሓዋርያት ሊቃውንቲ ካህናትን ምእመናንን እዮም። መዝ 44፡16 ። እዚኣቶም ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሽማ ከመሓላልፉ እዮም። ኣማላድነታ ክዛረቡ እዮም መዝ 44፡17። ነዚ ዘይቅበሉ ግን ፈተውቱ ንኡየሱስ ክርስቶስ ንጭፍርኡ ዝተባህሉ ቅዱሳን መላእኽቲ ክፈድዮም እዩ ምሳኺ ንዝበኣስ ክበኣሶም እየ። ከምዝበለ ኢሳ 49፡25 ።
ናይ መርዓ ክዳን ዘይተኸድነ ናይ ኣዴና እግዚእትነ ማርያም ኣማላድነት ከይኣመነ ናይ ወዳ መንግስቲ ክወርስ ናይ ዝደሊ ኣብነት እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ኣዲኡ ክብሪ ብዘይምእማኑ ንጉስ ክርስቶስ ካብ መንግስቱ ፈልዩ ናብ ገሃነም ኣሕሊፉ ናይ ምሃብ ኣብነት እዩ። ናብ መርዓ ዝተጸውዑ ዝግበኦም ኮይኖም ስለዘይተረኽቡ ንጉስ ብልኡኻቱ ጌሩ ኣብ ጎደናታት መገዲ ዝረኸብኩም ኩሉ ናብቲ መርዓ ጸውዕዎም ኢሉ ብዝኣዘዞም መሰረት ተንኮለኛታትን ብሩኻተን ተኣኪቦም ኣለው። እዚ ኸኣ መምህራን በብዝመኣዝናቱ ፋሕ ኢሎም ናይ ተጠመቑ ድሕሪኡ ዝጽበዮም ሰናይ ዘበለ ስራሕ ከይሰርሑ ምስተረጉ እቶም ብሩኻት ዝተባህሉ ኸኣ ኣሚኖም ተጠሚቖም እቲ ዝግባእ ሰናይ ነገር ዝሰርሑ እዮም።

ከምዚኦም ብዝኣመሰሉ ምሳሌታት መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቱ የመሓላልፍ። ስለዝኾኑ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለው ምሳሌታት ኩሉ ብጥንቃቐ ከነስተውዕሎ ይግባኣና። እንተዘይኮይኑ እቲ መጽሓፍ ዝበሎ ብግቡእ ክንርደኦ ኣይንኽእልን። ስለዚ ናብታ ማህደረ ምስጢር ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ኣመዛዚንካን ግልጺ ጌሮም ካብ ዝምህሩ መምህራን ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጢራት ንምፍላጥ ክንጽዕር ይግባእ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ምሳሌ ጌሩ ብዙሕ ነጊርዎም>> ብዙሓት ከኣ ምሂሩ ማቴ 13፡3 ሓደ ግዜ ደቂ መዛሙርቱ <<ሰለምንታይ ብምሳሌ ትነግሮም፤>> ኢሎሞ ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢልዎም ንዓኹም ናይ መንግስተ ሰማያት ምስጢር ክትፈልጡ ተዋሂቡኩም እዩ ንዓኣቶም ግን ኣይተዋህቦምን ስለዚ እንዳረኣዮ እንዳሰምዑ ስለዘይሰምዑ ስለዘየስተብህሉ ኸኣ ምሳሌ ጌረ ይነግሮም ብምባል ዝተዛረቦ ምሳሌ ትርጉም እንታይ ከምዝኾነ የረድእ።

ንብርሃነ ትንሳኤ ብሰላም የብጽሓና፡ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፡
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

No comments:

Post a Comment