Thursday, July 18, 2013

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
<<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ሆሴእ 6፡1

(Click to read in PDF)ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም ህዝበ እግዚኣብሔር ከመይ ቀኒኹም፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ወላዲት ኣምላክ ድንግል ማርያም ናይ ቃል ኪዳን ደቃ፡ ብጸሎት ቅዱሳን እግዚኣብሔር እትምሕጸኑን እትውከሉን ከመይ ኣለኹም። ኣሜን!!!

ስሙ ንዘልኣለሙ ብኣና ብድኹማት ባሮቱ ብኣፍ ኩሎም ፍጡራኑ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ዝብል ሓይለ ቃል ክንምገብ፡ ንቅዱሳኑ ምስጢሩን ጥበቡን ዝገለጸ ንዓና’ውን ምስጢሩን ጥበቡን ምስትውዓሉን ክገልጸልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።



መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንገዲ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት የብጽሕ፡ <<ሕጂ ድማ ንእግዚኣብሔር ነቲ ከድሕነኩምን ምስ ኩላቶም ቅዱሳን ከረስትየኩምን ዝኽእል ቃል ጸጋኡን የማሕጽነኩም ኣለኹ>> (ግ/ሓ/ 20፡32) ከም ዝበለ ንምንግስተ ሰማያት ዘብጽሕ ቅዱስ ቃሉ ይኹነልና። መጽሓፍ ቅዱስ ዋንኡ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ቅዱስ ተባሂሉ። ብሉይን ሓዲሽን ኢልና ድማ ኣብ ክልተ ንኸፍሎ። ብሉይ ኪዳን ብቋንቋ እብራይስጥ፡ ትንቢት ዳኒኤል ብኣርማይስጥ ተጻሒፉ። ሓድሽ ኪዳን ብግሪኽ፡ ወንጌል ማቴዎስ ብእብራይስጥ፡ ወንጌል ማርቆስ ድማ ብቋንቋ ላቲን (ሮማይስጥ) ተጻሒፉ። ብሉይ ኪዳን ኪዳን ብፍላይ ኣብ ኣርባዕተ ከፋፊልና እንተ ሪእናዮ፡ ቀዳማይ ናይ ኦሪት መጻሕፍቲ፡ 5 መጻሕፍቲ ሙሴ፡ ዘፍጥረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሑልቅ፡ ዘለዋውያን፡ ዘዳግም እየን። መጻሕፍቲ ታሪኽ፡ መጽሓፍ ኢያሱ፡ መሳፍንቲ፡ ሩት፡ ሳሙኤል 1ይ ን 2ይን፡ ዜና መዋእል 1ይ ን 2ይን፡ እዝራ፡ ነህሚያን ካልእን። መጻሕፍቲ ጥበብ ድማ፡ መጽሓፍ እዮብ፡ መዝሙር ዳዊት፡ ምሳሌ፡ መክብብ፡ መሃሌ መሃሌ እየን። ራብዓይ ከኣ፡ መጻሕፍቲ ትንቢት፡ ነብያት ዓበይትን ንኣሽቱን እናተባህሉ ይጽውዑ። ኩሎም ነብያት ሓንቲ እያ ነይራ መልእኽቶም። ንሳ ኸኣ ተነስሑ ትብል እያ። 

 <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>>፡ ዝብል ሓይለ ቃል ነቢይ ሆሴእ ዝተዛረቦ ቅዱስ ቃል እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቐ ህዝቢ ብምሳሌ ናይ ነቢይ ሆሴእ ናይ ዘርኢ ምትሕልላፍ ብምርኣይ እዩ ክምህር ዝደሊ። እዚ ድማ እግዚኣብሔር ንሆሴእ ኣመንዝራ ሰበይቲ ከእቱ እሞ እታ ኣመንዝራ ናብ ቅዱስ ሰብኣይ ስለዝኣተወት ህይወታ ንኽሕደስ እዩ ነይሩ እቲ ዕላማ። ጎሜር እታ ኣመንዝራ ናብ ሆሴእ ምስ ኣተወት እሞ እቲ ናይ ቀደም ኣመላ ክትገድፎ ኣይከኣለትን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ውን እግዚኣብሔር ንሆሴእ ንሰበይቱ ከፍቅራ እዩ ኣዚዙዎ። ብሓቂ እግዚኣብሔር ንህዝቢ እስራኤል ምንጪ ንጽሕናን ቅድስናን ብልጽግናን ገዲፎም ናብ ናይ ከንኣናውያን ጣኦታት ምምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ዓቢ በደል ፈጸሙ። እግዚኣብሔር ግን፡ ሎቱ ስብሓት ጐደሎ ዘይብሉ እግዚኣብሔር እቲ ምሉእ ዝኾነ ፍቐሩ ለጊሱሎም። ከምቲ ሆሴእ ንጎሜር መሊሱ ከም ዝወሰዳ ናብ ቤቱ ከም ዘእተዋ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኣይሓደገን። ብረቂቕ ጥበቡ ንህዝቡ ናብ ልቡ መሊሱዎ እዩ።

ብሓቂ ህዝበ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ህይወትና ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ፈጺምናን ንፍጽም ኣሎናን። ሕጂ ግን፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ። ከመይ ገይርና ንምለስ ዝብል ሕቶ የሻቕለና ይኸውን። <<እንተ ተመለስካስ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ>> (ኤርምያስ 15፡19) ይብል እግዚኣብሔር። ዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 15 ካብ ቁጽሪ 11 እንተ ነቢብናዮ፡ ሓደ ኣቦ ክልተ ደቂ ዝነበርዎ፡ እቲ ንእሽቶ ኣነስ ዝግበኣኒ ሃበኒ ብምባል ነቦኡ ክልምን ከሎ ንርኢ። ኣቡኡ ኵሉ ዝፈልጥ ኣብ’ቲ ዝኸዶ ሕማቕ ከም ዘጓንፎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ግን፡ ባዕሉ ብነጻ ፍቓዱ ናብ ሑቕፊ ኣቦኡ ክምለስ እዩ ዝጽበ ዝነበረ። ንሕና’ውን ካብ’ዚ ህይወት ዘውህብ ቃል ዘድልየና ጥራይ ሒዝና ክንጠፍእ ዘይኮነስ ካብ እግዚኣብሔር ቅድስናን ንጽህናን ንምቕባል መንገድና ነቕንዕ ብነጻ ፍቓድና።

ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ማለት ካብ ሓጢኣት ምፍላይ ማለት እዩ። ናብ’ቲ ጉንዲ ወይኒ ምምላስ ድማ ብዘይ  ጸሎት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡ <<ብጄካ ብጸሎት ብካልእ ንስሓ ክናሳሕ እየ ዝብል ሰብ፡ ሰይጣን ከም ዘታለሎ ክፈልጥ ይግባእ>> ይብል። ብጸሎት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ይኾውን፤ ኣብ ቅድሚ ዘልኣለማዊ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይክኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ ዘየልቦ። ሥጋዊ ማዕርግና፡ ትዕቢት ኣወጊድና፡ ኦ፡ ኣምላኸይ ናባኻ ክመለስ ደልየ ንበሎ። <<ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፡ አብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን ይብሉ ኣለው። ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፡ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ>> (መዝ 3፡2-3) ። ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት ኣለው ክብል ከሎ፡ ነቶም ምሳና ዘለው ሰባት ኣይኮኑን። እንታይ ደኣ ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ዝኾነ ድያብሎስ እዩ። እዋእ! እገለ ኸ፤ እገለስ ብእኡ ኣቢሉ እዩ ድያብሎስ ዝዋግኣና እምበር፡ ከምቲ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዝበሎ፡ ንሰብሲ ሰብ ጸላኢ የብሉን እዩ ነገሩ እሞ፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>>።

ብዙሓት፡ ናብ ኣምላኽ ከመይ ገይርና ክንምለስ ዝብሉ ኣለው። ሽግርካ ናብ ቅድሚኡ ክዓዎ። ንሱ ክመርሓካ ናብ ጽላል ከእትወካ እዩ። ካብ ኣምላኸይ ካብ ምንጪ ውህበት ጸጋታት ሎምስ ጸጋ እንተዘይሃብካኒ ኣይሓድገካን እየ ንበል። ከመይ!
ቅዱስ ኣቦና ያዕቆብ፡ <<እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሐድገካን እየ፡ በለ።>> (ዘፍ 32፡26) ። እስከ ንቕረጾ ኣብ ኣእምሮና፡ ቅዱስ ኣቦና ያዕቆብ ክከራኸር ከሎ፡ ከይባረኽካኒ ኣይሓድገካን ክብል ከሎ። ኣብ እንጽልዮ ጸሎት ነቲ ብመንፈሳዊ ጽምኣት ንልምኖ ነገራት ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ክቅበል ከመይ ዓቢ ነገር ይመስለኩም። ኣብ እንጽልዮ ጸሎት ዕውታት እንተ ዘይኮና ኣብ ንስሓና ዕውታት ኣይንኸውንን ። ምኽንያቱ ብጸሎት ሓይሊ ረኺብና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው ክንብል ንኽእል። ካብ ኣብ ካልእ ነገራት ነሕልፎ ጊዜ ኣብ ጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ነሕልፎ ጊዜ ክበጽሕ ክበልጽ’ውን ይግባእ። ነዚ እዩ ልበ እግዚኣብሔር ነቢይ ዳዊት፡ <<ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፡ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ>> (መዝ 84፡10) ዝበሎ።

ብዙሓት ኣለና፡ ካብ ጸሎት ንኣገልግሎት ነቐድም፡ ካብ ጸሎት ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምንባብ ነቐድም፡ ምስትንታን፡ መንፈሳዊ ኣኼባታት፡ ኣብ መወዳእትኡ ርክብና ምስ እግዚኣብሔር ነበረ ያ ነበረ ይኸውን።ንሠናይና ስለዘይኮነ፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>>

ኣብ ጸሎት ንእግዚኣብሔር ካብ ጊዜና ንመቕሎ ይመስለና ይኸውን፡ ከምኡ ግን ኣይኮነን። ንሕና ኢና ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ንቕበል። እግዚኣብሔርሲ ወሃቢ እምበር ካባና ዝደሊ ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ ክንጽሊ ከሎና፡ ካብ ወሃቢ ኩሉ፡ ሓይሊ፡ ካብ ጸጋ ምሉእ ዘይጉዱል በረኸት። ጊዜ የለን እናበልካ ዝንበር ህይወት፡ ህይወት ዘይኮነ ሞት እዩ። ክልተ ሰለስተ ደቒቕ ገይርና ይስልችወና። ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ንምባል ጊዜ’ውን እንተ ተረኽበ፡ ብታህዋኽ ንውድኣ።

ሓደ እዋን እዮም፡ ሓደ ኣቦ ካብ መገሻ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ዝፈትዎ ወዱ፡ ሎሚ ዓቢ ህያብ ኣምጺአልካ ኣለኹ ይብሎ። እንታይ! ይብሎ። ፈረስ። ግን ሓንቲ ነገር ኣላ ካባኻ ዝደልያ፤ እንታይ! ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኣጽኒዕካያ’ዶ። እወ ኣጽኒዐያ። እስከ ውጻያ። ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ ምስ በለ፡ ጻዕዳ ድዩ ቀይሕ፤ ጻዕዳ ድዩ ቀይሕ ንብል ብዙሓት ኢና። ኣብ ጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምህላውና ንዝንግዕ። ብሰንኪ ሸለልትነትና ነቲ ንዓና ተዳሊዩ ዘሎ በረኸት ንስእን።

ኣብ ጸሎት ቀልጢፍና ተስፋ ንቖርጽ ኢና። መጽሐፈ ስንክሳር 3 የካቲት ንመልከት፣
 ኣባ ያዕቆብ ብንእስነቶም 15 ዓመታት ዝኣክል ንዓለም መኒኖም፣ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ብጾም ጸሎት፣ ስግደት፣ ለይትን መዓልትን ብምትጋህ ካብ በዓቶም ከይወፅኡ፣ ናብ ዓለም ከይኣተዉ፣ ገጽ ሰበይቲ ዚበሃል ውን ከይረኣዩ ተጋደሉ።
በዚ ዝቐንአ ሰይጣን ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ኣለዓዒሉ። ንሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ሓባቢሎም ናብኦም ከም እተኣቱ ገበርዋ እሞ፣ ኣብ ቅድሚኦም ከተቕበዝብዝ ንኃጢኣት ኪትጽውዖም ጀመረት። እዞም ቅዱስ እዚኦም ግን ምረትን እሳትን ገሃነም፣ ዘለዓለማዊ ኵነኔን ኣዘከርዋ እሞ፣ ብኢዶም ተነስሐት። እናተጋደለት ድማ ንእግዚኣብሔር ኣሥመረቶ።
ሕጂውን ንእከይ ዘይዓርፍ ሰይጣን፣ ሓደ ውዲት ኣሊሙ፣ ኣብ ልቢ ሓንቲ ጓል ዓበይቲ ዓዲ ኣትዩ ኣውደቓ፣ ኣንገርገራ። ኣብ ልቢ ኣቡኣ ድማ ብዘይካ ኣብ በዓቲ ዘለዉ ኣባ ያዕቆብ ኬሕውያ ዚክእል ከምዘየለ፣ ተንኮል ዚሓዘ ምኽሪ ኣብ ልቡ ገበረ። በዚ ሰይጣናዊ ምኽሪ ኣቡኣ ሒዝዋ ናብዞም ቅዱስ ኣምጸኣ። ብጸሎቶም ኪፍውስዋ ድማ ለመኖም። እዞም ቅዱስ ምስ ጸለዩላ ሓወየት። ኣቡኣ ግን እንተ ወሰድክዋ ኪምለሳ እዩ፣ ስለዚ ኣብዚ ምስኦም ትኹን ኢሉ፣ ንእሽቶይ ሓዋ ምስኣ ገይሩ ምስ ኣባ ያዕቆብ ሓዲግዋ ከደ።
በዚ ሰይጣን በታ ጓል ለይትን መዓልትን ክሳዕ ምስኣ ኣብ ኃጢኣት ዜውድቖም ተፃብኦም።  ኣብ ኃጢኣት ብዝወደቕሉ ጊዜ ኃጢኣቶም ከይቕላዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳኣ ከይቐትልዎም ፈሪሖም፣ ምስ ሓዋ ደሪቦም ድማ ቐተልዋ። ገና ንእከይ ዘይዓርፍ ሰይጣን ተስፋ ምቝራጽ ኣሕደረሎም 3 ናብ ዓለም ኪኣትዉ ድማ ካብ በዓቶም ወፅኡ።
ስሙ ዚተመስገነ ይኹን፣ እግዚኣብሔር፣ ዜገልገልዎ ዚርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ፣ ብሞት ሓደ ኃጥእ ሰብውን ባህ ስለ ዘይብሎ ብምሕረት ጠመቶምሞ፣ ሓደ መነኮስ ጻድቕ ለኣኸሎም። ኣብ መንገዲ ንኣባ ያዕቆብ ረኺቡ ተቐቢሉ ሰላም በሎም። ኃዚኖም፣ ጕህዮም ምስ ረኣዮም፣እንታይ በጺሕኩም፧ እንታይ ኰይንኩም፧ኢሉ ሓተቶም። ኵሉ ዝበጽሖም፣ ብዝሙት ከምዝወደቑ፣ ነታ ብዝሙት ዝወደቑላ ጓል ደሪቦም ምስ ሓዋ ከም ዝቐተልዋ ኵሉ ከይሓብኡ ነገርዎም። እቶም ጻድቕ መነኮስ ድማኣይትፍርሑ! ጽንዑ እምበር ተስፋ ኣይትቝረጹ! እግዚኣብሔር መሓሪ፣ ይቕረ በሃሊ እዩበልዎም። ጾም፣ ጸሎት፣ ስግደት ድማ ሃብዎም።
 ኣባ ያዕቆብ ነዚ ቀኖና ሒዞም ናብ ልቦም ተመልሱ። ኣብ ሓደ በዓቲ ኣትዮም ድማ፣ ብንስሓ ተኣሲሮም፣ ርእሶም ጸመዱ፣ ኣብ ልዕሊ ከቢድ ሥቓይ ኵሉ ጊዜ እናጾሙ፣ እናጸለዩ፣ ኣብዚሖም እናሰገዱ፣ ሣዕርን ብቝሊ ምድርን እናበልዑን ተጋደሉ። ኵሉ ጊዜእግዚኣብሔር፣ ንስሓይ ይቕበለለይ ይኸውንእናበሉ 40 ዓመት እብ ዓቢይ ንስሓ ነበሩ።
በዓል ብዙሕ ምሕረት እግዚኣብሔር ንስሓኦም ከምዝተቐበለ ንኺገልጽ፣ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኣምጽአ። ነቶም ናይታ ሃገር ኤጲስቆጶስ ድማ እዚ ጥሜት ብዘይ ጸሎት ኣብ በዓቲ ናይ ዚነብሩ ኣባ ያዕቆብ መነኮስ ከምዘይኃልፍ ድማ ነገሮም።
ብኡ ንብኡ ድማ እቶም ኤጲስቆጶስ ንካህናትን ምእመናን ሒዞም ተበገሱ። ኣብ ኣባ ያዕቆብ በጺሖም፣ ምእንትኦም ናብ እግዚኣብሔር ጸልዮም ዝናም ኬውርደሎም ለመንዎም። ንሶም ግንኣነ ኃጢኣተኛን ኣባስን እየ፣ ንእግዚኣብሔር ድማ ብኃጢኣተይ ኣቖጢዐዮ እየኢሎም ኣበይዎም።
እቶም ኤጲስቆጶስ እግዚኣብሔር ናብኦም ከምዝለኣኾም ነገርዎም። ሽዑኡ ነዚ ሰሚዖም ንኤጲስቆጶስ ተኣዘዝዎም። ምስኦም ወፂኦም ድማእናነብዑ፣ ከመይ ገይረ ዝረኸሰ ኣፈይ ኣብ ቅድሚ ቅድሳትካ እኸፍት፣ ከመይ ገይረ ብብዝሒ ኃጢኣት ዝፀለመ ገጸይ ናብ ሰማይ ኬልዕሎእናበሉ ንነዊሕ ጊዜ ጸሎት ጀመሩ። ጸሎቶም ገና ከይፈጸሙ ኸለዉ ድማ ብዙሕ ዝናም ወረደ። እግዚኣብሔር ከምዝመሓሮምን፣ ንስሓኦም ከምዝተቐበለሎምን ድማ ተረድኡ። ብድሕሪ እዚ ካብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ትሩፋትነፍሰይ ዳግማይ ከይትወድቒ ተጋደሊ፣ ተዓቐቢ!” እናበሉ ኣኻዕቢቶም እናፃመዉ ንእግዚኣብሔር ኣሥሚሮም ብሰላም ኣዕረፉ። በረኸቶም ንዘለዓለም ምስ ኵልና ይኹን። ኣሜን።

ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣምላኽ ምምላስ እንታይ ዓስቢ ኣሎና፤ ንዝብል ድማ፡
<<ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ>> (ራኢ 3፡21)፡ <<እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነውን ንሱ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ>> (ራኢ 3፡5) ። <<ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ>> (ራኢ 2፡17) <<ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ>> (ራኢ 2፡28) <<ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ>> (ራኢ 2፡10) . . . ብሓቂ እዚ ካብ ኮነ ዓስብና፡ <<ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ>> ሆሴእ 6፡1 ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!!!

No comments:

Post a Comment