Thursday, May 23, 2013

ስምኦን ዘአምድ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ስምኦን ዘአምድ
(Click to Read in PDF)ቅድስት ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ብብቅዓቶም ብሃይማኖት ጽንዓቶም ብሓዋርያዊ ተልእኻኦም ገባርነቶምን ናይ ቅድስና ደረጃ እናሃበቶም ብሽሞም ታቦት ቀሪጻ ገድሎም ጽሒፋ ተኽብሮም። ቅዱሳን ብመሪር ተጋድሎን መስዋእትነትን ብሓዋርያዊ ተልእኾ፡ ስብከት ወንጌል ብምስፋሕ ተግባር ዝዋፈሩ ናይ ዕለት ግቢ ክዳን ዓመት ስኢኖም ንገድሊ ከም ሓደ መተሓዳደሪ ኣማራጺ ወሲዶም፡ ካብ ነገስታት ተወሊዶም ኣብ ቤተመንግስት ዓብዮም ናይዛ ዓለም ምቾትን ሕንቃቀን ፍስሃን ሓጎስን ንዒቆም ብምግዳፍ ብትምህርቲ ወንጌል ክርስቶስ ተመሲጦም ከም ሓዋርያት ኣቦታቶም ጸድቃንን ሰማእታትን ንዘልኣለማዊ ህይወት ብምምራጽ ናብ ፍጹም ምናኔን ገድልን ዝኣተው እዮም። ካብዞም ቅዱሳን ሓደ ከኣ ስምኦን ዘአምድ ኢዩ።
ኣብ ሓሙሻይ ሚእቲ ዓመት ሓድሽ ዝዓይነቱ መንገዲ ቅድስና ኣዕኑድ ንዝተባህሉ ቅዱሳን በዚ ኣቦ ዝኾነ ስምኦን ተኸፊቱ። እዞም ቅዱሳን ንነዊሕ ዓመታት ንእግዚአብሔር ብምድላይ መዓልትን ለይትን ሓጋይን ክረምትን ጸሓይን ቁርን ኣስሓይታን ንዳድን ኣብልዕሌዖም እናወረዶም ኣብ ልዕሊ ከረን መኽደኒ ኣብዘይብሉ ገዛ ብጾምን ነስሓን ገድሊ ሓሊፎም’ዮም። በዚ ተጋድሎኦም’ውን ነቲ ንክሓልፍዎ ጭንቂ ዝኾነ ጸቢብ መንገዲ ገነት ሓሊፎም።

 
ታሪኽ ስምኦን ኣብቲ ዘበን ካብ ዝነበሩን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብ ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ዝተረኽበ እዩ። ናይ እንጦንስ ቆዝሞስን ብፍላይ ከኣ ብዝርዝር ዝጸሓፎ ቶዎድሮት ይጥቀሱ። ቴዎድሮት ነቲ ታሪኽ ቅድሚ 16 ዓመት ቅድሚ ዕረፍቱ እዩ ኔሩ።
ቅዱስ ስምኦን 389 ቢሳ ኣብ ትበሃል ከተማ ኢዩ ተወሊዱ። እታ ከተማ ካብ ቂሮስ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ 40 ኪሜ ርሒቃ እያ ትርከብ ስምኦን ዝዛረቦ ቋንቋ ኣርመነ ክኸውን ከሎ ድሒሩ ከኣ ንቋንቋ ግሪኽ ኣብ’ቲ ገዳም ተማሂሩ።
3 ነሓሰ ዝንበብ ስንክሳር ከምዝትርኾ ስምኦን ኣብ ሽድሽተ ዓመቱ ከም ልማድ ዓዶም ሶርያ ኣብ ትርከብ ቦታ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይሕሉ ኔሩ። ስምኦን በቲ ኣቦኡ ዝኣዘዞ መሰረት ናይ ጉስነት ስርሑ እናገበረ ወዲ 13 ዓመት ከሎ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብልቡ ስለዝሓደረ ናብ ቤተክርስቲያን እናኸደ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይሰምዕ ነበረ። ደሓርውን ኣብ ቤተክርስስቲያን ክንበብ ከሎ ይሰምዖን ይምነዮን ብዝነበረ ህይወት ቅዱሳን ተማሪኹ’ዩሞ ንነብሱ ንገዳማዊ ህይወት ኣዳለወ።
 
ስምኦን ቸርነት እግዚኣብሔር ኣላዓዒልዎ በቲ ዝሰምዖ ቃለ እግዚአብዚኣብሔር ልቡ ተሴሩ ኣብ ዓለም ብ ምንባር ከም ቅዱሳን ኣቦታቱ ኣብ በረኻ ወዲቅካ ንእግዚኣአብሔር ምግልጋል ዝሓይሽ ምዃኑ ተረድኦ። ኣብርሃም ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብ ካብ ወገኑን ቤተሰቡን ተፈልዩ ከምዝወጸ ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ 30 ዓመታት ዝኣክል ኣብ በረኻ ከምዝነበረ ስምኦን ዘኣምዲ’ውን ነቲ ዝምነዮ ዝነበረ ህይወት ክርስትና ብምድላይ ኣብ ጥቃ እታ ከተማ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዳም ከደ።  ኣብቲ ገዳም ምስበጽሐ ከይበልዐን ከይሰተየን እቶም ገዳማውያን ኣብዝርእይዎ ቦታ ኣብቲ ፊት መእተዊ ናይቲ ገዳም ወደቀ። ነቶም ገዳማውያንውን ከም ሓደ ንእሽተይ ኣገልጋሊ ተቀቢሎም ናብቲ ገዳም ከእትውዎ ተማሕጸኖም።
ጸጋ ክብሪ ንምርካብ ትሩፋት’ውን ኣብዚሑ ንኽሰርሕ ዝፈቱ ሰብ እንተሃለወ ዓለማዊ ግብሪ ክፍለ ይግብኦ።ከምዝበለ ቅዱስ ይስሓቅ፣ ኣብ መጽሓፍ መነኮሳት፣  ኣብዛ ዓለም ንግዚኡ ንሰብነትካ ዘሕጉስ ነገር መከራ ክቅበል መሪጹ ስምኦን። ስምኦን ኣብቲ ገዳም ብፍጹም ትሕትና ናብቶም ኣበምኔት ናይቲ ገዳም ቀሪቡ ነቲ ዝምነዮ ዝነበረ ክርስቲያናዊ ህይወት ነጊሩ ናብቲ ገዳም ከእትውዎ ተማሕጸኖም። እቶም ኣበምኔት ቅድሚ ኣገልጋሊ እቲ ገዳም ምግባሮም ንእስነቱ ርእዮም ነቲ ከቢድን ኣጸጋምን ህይወት ምንኩስና ክጻወሮ ከምዘይክእል እንተነገርዎ ስምኦን ግና ኣይተቀበሎምን። ብፍቃድ እግዚአብሔር እዩሞ ተጓዒዙ ኣብቲ ገዳም እናገልገለ መንኮሰ። ንብዙሕ ዘመናትውን ብገድሊ ተጸሚዱ ብጸሎትን ስግደትን ተወሲኑ ነበረ።
ስምኦን ኣብ ሶሙን ሓደ መዓልቲ ሰንበት ጥራይ ምምጋብ ንሰብነቱ ኣልመደ። ኣብ እዋን ጾም 40 መዓልቲ ከይተመገበ ይቅኒ ነበረ። እዚ ዓይነት ህይወት ኣብቲ ናይ ሩር ቦታ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ገድሊ ክሳብ ሞት ኣብጺሕዎ ኔሩ። እንተኾነ ግና እቲ ዝነበሮ ብርታዐ መንፈሳዊ ህይወት ነቲ ዝወረዶ መከራ ኣኽኣሎ ቴዎድሬት ክበጽሖ ከሎ ንዓቢይ ጾም ብዘይ እኽልን ማይን ኣሕሊፍዎ ኢዩ ኔሩ። በዚ ከኣ ንነቢያት ንሙሴን ንኤልያስን፣ ንፈጣሪኡ ንኢየሱስ ክርስቶስን መሲልዎም’ዩ።  
እቲ ኻልእ ንስምዖን ዘአምድ ካልኦት ቅዱሳን ፍሉይ ዘብሎ ተጋድሎ ከኣ፡ ንሰብነቱ ብቀጢንን ዝተሓላለኸን ገመድ ኣትሪሩ ምእሳሩ እዩ። እቲ መዓንጥኡ ዝኣሰረሉ ገመድ ስግኡ ሓርሒሩ ቆሪጹ ንውሽጢ ክሳብ ዓጽሙ ኣትዩ ኔሩ። እቲ ገመድ ንስግኡ ሓርሒሩ ስለዝቆረጾ ሰብነቱ ቆሰለ ሓሲኹ’ውን። ካብ ነብሱ ሕማቅ ጨና ይወጽእ ነበረ። እዚ ከኣ ኣሰቃቂ ዝኾነ ሕማም ኣውረደሉ። ምሒር ምጭናው ዝኾነ ሰብ ብጥቅኡ ኣይሓልፍን፤ ዝቀርቦ’ውን ኣይነበረን። በዚ ሕማቅ ሽታ ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ መነኮሳት ፈንፈንዎ። ብዓይኖም’ውን ክርእይዎ ኣይፈተውን። ስንክሳር ከምዝትርኾ እቶም መነኮሳት ናብቶም ኣበምኔት ተኣኪቦም ብምኻድነዚ መነኮስ ስምኦን ካብዚ ገዳም ስጎገልና ብ ሰብነቱ ዝወጽእ ጨና ኮፍ ከሊኡና ብኡ ዝርከብ ጽድቂ ይትረፈና ኣይንደልዮን ኢና። ዘይትሰጎልና እንተኾንካ ግና ነዚ ገዳምን ንዓኻን ገድፍና ክንስደድ ኢና
 
እቲ ኣበምኔት ቃል እቶም መነኮሳት ሰሚዑ ንስምኦን ኣጸዊዑ ሓደ ሕቶ ሓተቶ። ስምኦንውን መጺኡ ኣብ ቅድሜኦም ደው በለ። ብምሒር ገድሊ ካብ ሰብነቱ ደምን ግልን ካብ እግሩ ይፈስስ ኔሩ። እቲ ኣበምኔት ንስምኦን ርእዩ ተጨነቀ። ንክዳን ስምኦን ገንጺሉ ምስረኣየ ነቲ ሰብነቱ ሓርሒሩ ዝኣተወ ገመድ ርእዩ ሓዘነ። ንስምኦን ከኣሰብነትካ ስጋብ ከምዚ ጌሩ ዝቆስል ክትገብሮሲ ከመይ ደፈርኻ?” በሎ። ነቲ ንሰብነቱ ሓርሒሩ ዝኣተወ ገመድ ቀስ ኢሉ ኣውጽኣሉ። እቲ ቁስሊ ስጋብ ዝሓውየሉ ከኣ 50 መዓልቲ መድሃኒት ገበረሉ። ደሓርውን እቲ ኣበምኔት ነቶም መነኮሳት ስለዝፈርሐ፣ ንስምኦን ከምዚ በሎ።ስምኦን ወደይ ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ገዳም ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቶም መነኮሳት ይግደፈልና ስለዝበሉ ነዚ ግዳም ገዲፍካ ናብቲ እግዚኣብሔር ዘዳለወልካ ቦታ ኪድበሎ። ስምኦን ግና ዘይተለምደን ጋሻ ነገርን ኮኖ። በዚ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ገዳም ተባረረ።
እቲ ዓንዲ ዝተባህለ ስምኦን፣ ኣይኮረየን። በቶም ገዳማውያን ይግደፈልና ዝበሉ መነኮሳት ኣይሓዘነን። ሰብነተይ ቆሲሉ ደምን ሙግልን እናፈሰሰ መነኮሳት ኣሕዋተይ ሰጉጎሙኒ መን የጸናንዓኒ? ናበይ’ከ ክኸይድ ኣይበለን። ንእግዚአብሔር ተስፋ ጌሩ ብገድሊ ስለዝጸንዐ ነቲ ገዳም ገዲፉ እግዚአብሔር ናብ ዘርኣዮ ቦታ ተጓዕዘ። ስምኦን ኣብቲ ገዳም ዘለው መነኮሳት ጸሊኦሞ እንተሰጎጉዎ እግዚአብሔር ንስምኦን ከናኸኖ ዝቅበልዎ ኣራዊት ኣዳለወሉ። ስምኦን፡ ኣትማንን ዕንቅርቢትን ኣብዝነብሩሉ ጉድጓድ ከይዱ ኣተወ። እቶም ኣትማንን ዕንቅርቢትን ኣይነኸስዎን። ምስኣቶም ብሰላም ጸሎቱ እናብጸሐ እናመስግነ ነበረ። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ራእይ ረኣየ። በቲ ራእይውንስለምንታይ ንኣገልጋልየይ ስምኦን ሰጎግካዮ፣ ሕጂውን ደሊኻ ምለሶ ኣብ እዋን ፍርዲ ንሱ ካባኻ ይሓይሽኢሉ እግዚአብሔር ገሰጾ። ምስ ወግሐውን እቲ ኣበምኔት ራእይ ከምዝረኣየን እግዚኣአብሔር ስለ ኣባ ስምኦን ከምዝገሰጾ ነቶም መነኮሳትን ነቶም መነኮሳት ነገሮም። እቶም መነኮስትውን ሰንበዱ፣ ምሒርውን ሓዘኑ። ናበይ ኬድና ክንደልዮ ኢና በሉ። እቶም ኣበምኔትውንይርከብዩ ኣብዝበልኩሞ ቦታ ኩሉ ድለይዎ፣ እግዚአብሔር ነቲ ዘለዎ ቦታ ክሕብረኩምዩ፣በሎም። እቶም መነኮሳት ከይዶም ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን፣ ከምብሓድሽ ተመሊሶም ንኻልኣይ ግዜ መብራህቲ ሒዞም እናብርሁ ንኽደልይዎ ከዱ፣ ጥቃ ሓንቲ ስምኦን ዝነብረላ ጉድጓድ በጽሑ። ናብቲ ጉድጓድ ክኣትው ከለው ብዘይ መብልዕን መስተን ምስ ኣትማንን ዕንቅርቢትን ኮፍ ኢሉ ረኣይዎ። ካብቲ ጉድጓድ ኣውጽእዎ። ሰብነቱ ቆሲሉ ይጨኑ ስለዝነበረ ካብቲ ገዳም ይሰጎጎልና ኢሎም ዝሰጎግዎ መነኮሳት ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። በቲ ዝገበርዎ ግብሪ ሓዚኖም ኣብ ቅድሚኡ ሰገዱ፡ “ኣብ ልዕሌኻ ዝገበርናዮ በደል ይቅረ ግበረልናበልዎ። ስምኦንውንኣነውን ኣሕዚነኩም’የ ይቕረ ግበሩለይ” በሎም። ድሕሪዚ ከኣ ናብቲ ገዳም መለስዎ። ብብዙሕ ገድሊውን ተጸሚዱ ጸሎት እናገበረ ንሕሙማት እናፈወሰን ንምእመናን እናመሃረን ከገልግል ነበረ።
ደሓርውን 416 . ስምኦን ኻብታ ገዳም ብስውር ወጺኡ ናብ ሓንቲ እምኒ ከደ፣ ናብርኡውን ኣብኡ ገበረ። ደሓርውን እታ እምባ ስማ ናይ ቅዱስ ስምኦን እምባ ተባሂላያ። ኣብኣውን ከየዕረፈን ከይደቀሰን 60 መዓልቲ ብገድሊ ተጸሚዱ ደው በለ። 3 ነሓሰ ዝንበብ ስንክሳር ከምዝትርኾ፣ ስምኦን መልኣከ እግዚአብሔር ስለ ድሕነት ብዙሓት ሰባት እግዚአብሔር ዓንዲ ረኺቡ ኣብኣ ድንቂ ተኣምራት እናገበረ ሕሙማትን ድውያንን እናፈወሰ ነቶም ናብኡ ዝመጹ እናመሃረን ኣፍቀርቲ እግዚአብሔር እናገበረን ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብታ ናይ እምኒ ዓንዲ ጠጠው በለ። በዚ ከኣ ስምኦን ዘአምድ ዝብል ስም ተዋህቦ። ነቲ ስምኦን ዝነበረሉ ዓንዲ ኣሰራርሕኡን፣ ስምኦን ከኣ ኣብቲ ዓንዲ ዝነበረሉ እዋንን ብዝምልከት እቲ ጸሓፊ ከምዚ ዝስዕብ ኣስፊርዎዩ። 
ንሱ ባዕሉ ጠጠው ዘበሎን ንዓርባዕተ ዓመታት ዝነበረሉን እቲ ናይ መጀመርያ ዓንዲ ሽድሽተ ጫማ ብራኸ ኔርዎ፣ እቲ ኻልኣይ 12 እቲ ሳልሳይ 22 እቲ ራብዓይ ከኣ ሰባት ንዕኡ ጠጠው ዘበሉሉን 20 ዓመታት ከኣ ጠጠው ብምባል ዘሕለፈሉ ዓንዲ ከኣ 36 ጫማ ብራኸ ኔርዎ። ግፍሒ ናይቲ ዓንዲ ከኣ 3 ጫማ ነበረ። ኣብቲ ጫፍ ቁሩብ ርብራብ ክህልዎ ከሎ ዘዕርፈሉውን ኣብኡ እዩ። እቶም ደቀ መዛምርቱ ብኣስካላ እናደየቡ ግቢ የቀብልዎ ኔሮም።
ቴዎድሮት ናብ ስምኦን ብርክት ዝበሉ ሕዝቢ ይመጹ ከምዝነበሩ ከምዚ ክብል ተሪኽዎ’ሎ። 444ዓም ንስምኦን ዘአምድ ዝበጽሐ ሓደ ጸሓፊ ታሪኽ ኣብቲ ከባቢ ስሙ ዝገነነ ሰብ ከምዝነበረን ንዕኡ ንመርኣይን ካብኡ በረኸትን ምኽርን ንምቕባል ብዙሓት ሰባት ይመጹ ከምዝነበሩ ጽሒፉ’ሎ። ስምኦን ግና እዚ ህቡብነትን ብዝሒ ሰብን ባህ ኣይብሎን’ዩ ኔሩ። ነዚ ክብሪ ዝተገብአ ጌሩ ንነብሱ ኣይቆጽራንዩ ኔሩ። ንሰባትውን ከምኡ ንኽገሩውን ኣይምዕዶምንዩ ኔሩ። ንዕኡ ንኽበጽሑ ካብ ኩሉ መኣዝናት ዓለም ይመጹ ነበሩ።
ቅዱስ ስምኦን ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ነቲ ሕዝቢ ምስመሃረ ምኽሪ ሂቡ፡ ሕማም ንዘለዎም ብጸሎት ይፍውሶም ኔሩ። ናይ እምነት ክትዓትን ዘይምርድዳእን ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን መፍትሒ እናሃበ ናይ ኦርቶዶክስ እምነት እናሰፍሐ ንወንጌል እናመሃረ ንነገስታት እናገሰጸ፣ ንኢ ኣማንያን ናብ ክርስትና መሊስዎምዩ። ስምኦን ሓቀኛ ሓዋርያ’ዩ ኔሩ።
ስምኦን ምስዘይኣምኑ ኣህዛብ፡ ምስሓሰውቲ መማህራንን ምስ መራሓቲ ሃይማኖት፣ ኣይሁድ መብዛሕትኡ እዋን ዝርርብ ይገብር ኔሩ። ብዝሒ ዘለዎም ኣሕዛብን ኣዕራብ ሰራሕተተኛታትን ብስምኦን ዘአምድ ኣቢሎም ናብ ሕይወት ክርስትና ተመሊሶም’ዮም።
ስምኦን ኣብ እዋን ተጋድሎኡ ኣይድቅስን ኮፍውን ኣይብልን ኔሩ። ምሒር ጾም መዓንጥኡ ይተዓጻጸፍ ስለዝነበረ ድንን ክብል ከሎ ብርእሱ ንእግሩ ይትንክፎ ነበረ። ሓደ እዋን ስምኦን 1244 ስግደት ነቲ ንኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክሰግድ ከሎ ሓደ ሰብ ተሓቢኡ ነቲ ዝሰግዶ ይቆጽር ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ምቁጻር ኣድኪምዎ ገደፎ ስምኦን ንሰብነቱ ክዳን ዝኸውን ቆርበት ኣራዊት ይኽደን ነበረ። ኣብ ክሳዱውን ሰንሰለት ይገብር ነበረ። ስጋን ደምን ጐይትኡ ክቅበል ከሎ እኳ ኣብ ዓንዲ ጠጠው ኢሉ ኢዩ ዝቅበል ኔሩ። ወለዲ ስምኦን ወትሩ ንወዶም ክርእዩ ሃረር ይብሉ ኔሮም። ኣቦኡ ፍቃድ እግዚአብሔር ስለዘይነበረ ንስምኦን ከይረኣዮ ሞተ። ኣዲኡ ግና ንወዳ ክትርእዮ ስለዝሃረፈት ስምኦን ዘለዎ ቦታ ድሕሪ ምሕታት ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብኡ መጸት። ወዳ ስምኦን ኣብ ዓንዲ እምኒ ደው ኢሉ ረኣየቶ። ርእያቶውን ተነኽኒኻ በኸየት። ንኣምላኽውን ኣመስገነት፣ ኣብ ትሕቲ ስምኦን ደው ዝበለሉ ዓንዲ ደቀሰት ቅዱስ ስምኦንውን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ ጽቡቕ ነገር ንኽገብረላ ብዛዕባኣ ለመነ። ሽዑ ከኣ ኣዲኡ ኣብቲ ትሕቲ ዓንዲ ደቂሳ ከላ ዓረፈት። ኣብቲ ትሕቲ ዓንዲውን ቀበርዋ።
ንጽቡቕ ነገር ዘይድቅስ ሰይጣን ንስምኦን ዘአምድ ንኸስሕት ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ስምኦን ቀኒኡ ሐደ እግሩ ርሞ። እግሩ ሓሰኻ እናወደቀ ብሓደ እግሩ ንነዊሕ ዓመታት ነበረ። ድሕሪ እዚ ከኣ ሓለቃ ሸፋቱ ናብ ስምኦን መጺኡ ተነስሐ። ቁሩብ እዋናትውን ጸኒሑ ዓረፈ። ብጸሎቱውን ናይ ዘልኣለም ህይወት ወረሰ። ናብኡ ንዝመጹ ብዙሓት ሰባትውን ጽምኢ ማይ፣ ከይጨንቆም ናብ እግዚአብሔር ለሚኑ ትሕቲ እቲ ዓንዲ እምኒ ፈሳሲ ማይ ጸበል ኣፍልፈለሎም። ትሽዓተ ለካቲት ዝንበብ ስንክሳር ከምዝትርኸልና ንናይ ስምኦን ዘአምድ ቅድስና ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኣየ ኣባ በርሱማ ዝተባህለ ኣቦ ኢዩ። ኣባ በርሱማ ኣብ ኤፌሶን ንንስጥሮስ ንከውግዙ ዝተኣከቡ ኣቦታት ሓደ ኢዩ። ንስምኦን ዘአምድ ክርእዮ ፈተወ። ስምኦን ዘአምድ’ውን ንዜና ኣባ በርሱማ ካብ ብዙሓት ሰሚዑ ኔሩ። ኣባ በርሱማ ናብ ስምኦን መጺኡ ነንሕድሕዶም በረኸት ተቀበሉ። ደሓር’ውን ኣብ ሶርያ እናመሃረ ኣብ ቅድሚኦም ተኣምራት ኣብ ዝገብረሉ እዋን ብዙሓት ብትምህርቱ ኣመኑ። ቀጺሉ’ውን ናብ ካልእ ዓንዲ ተዛወረ። ኣብኡውን እናተጋደለ ብዙሕ ዓመት ጸንሐ። ስምኦን ዘአምድ ንብዙሓት ኣረማውያንን ከሓድያንን ምሂሩ ኣእሚኑ ናብ ፈጣሪኦም እግዚአብሔር መሊስዎም’ዩ።
 
ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ስምኦን ዘአምድ ምስ ኩላትና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!

No comments:

Post a Comment