Friday, May 17, 2013

ኣገልግሎትን፣ ፍረታት መንፈስ ቅዱስን



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ኣገልግሎትን፣ ፍረታት መንፈስ ቅዱስን
<<እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ።>> (ገላ.522)

(Click Here For PDF)ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ ሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መንዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጥረታት ዕለተ ዓርቢ ዝኾነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንእዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት ኣይትፈልጦን ዲኻ?”ኢልዎ። ዲያቢሎስ ከኣ ብፍጹም ሰሚዐሉ’ውን ኣይፈልጥን፡ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የብለይን። ዝገርም’ዩ ከመይ ዝበለ ጨካን ፍጥረትዩ በለ ርእሱ እናነቕነቐ። እወ ከምዝበልካዮ ጨካን’ዩ። ነዚ ፍጥረት ዘይምፍላጥካ ግን ገሪሙኒ፡ ይገርመካ ንሱ ጨካን ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ዝፈጠሮ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝፈተነ ደፋርውን እዩ። ጨካንን ደፋርን ዋላ እንተኾነ ግን ብጐይታና ተሳዒሩ እዩ’ሞ ንሕና’ውን ነዛ ጾም ለንቅነ ንጾሟ እኮ ኢና ዘለና፡ ኢልዎ። ኣብዚ እዋን ዲያቢሎስ ተሳዒሩ ዝብል ቃል ክሰምዕ ከሎ ስዕረቱ ተዘኪርዎ ኣዕለበጠ። ከይፍለጥ ግናኣይ እዚ ደፋር! ጉድ እናበለ ምምሳሉ ቀጸለ፡ ኣባ መቃርስ ከኣ እሞ ንስኻ ነዚ እንተዘይፈሊጥካዮ ኣይትጸውምን ኢኻ ማለት’ዩ? ኢልዎ ፍሽክ እናበለ፣
ዲያቢሎስ ከኣ ……….. ጾም ስለዘሕምመኒ እናበለ ሃተፍተፍ ክብል ከሎ፡ ኣባ መቃርስ፡ ሕጂውን ፍሽክ እናበለ፡ ኣይ ንስኻ ስጋብ መኣስ ኢኻ ጸላኢ ሰብ ትኸውን? ከም ዝሓመምኩ ፈሊጥካ ከይጸውም ነዚ ኩሉ  ተውተው ኢልካ፡ ገና ክትመጽእ ከለኻ መን ከም ዝኾንካ ፈሊጠካ ኔረ። ገና ንዓይ ክትፍትን ክትሓስብ ከለኻ ይፈልጥ ኔረ! ኣይ ዲያቢሎስ ጸላኢ ሰብ ንስኻ ጥራይ ኢኻ! በል ሕጂ እዋን ጾም’ዩ እሞ ኣልግስ ኢሉ ገሰጾ። ዲያቢሎስ ከኣ ብኡ ኣልገሰ። ነዚ ታሪኽ ኣባ መቃርስ ከንብብ ከለኹ ሓደ ነገር ተዘኪሩኒ፡ <<ዲያቢሎስ እቲ መጻርርትኩም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቁ ንቕሑ ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቃወምዎ>> ዝብል ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ እዩ። 1 ጴጥ.58

ነዚ ጽቡቅ ጌርና ንረዳኣዮ፡ ሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን። ጸላኢኡ መን’ዩ? ዲያቢሎስ እዩ። በዚ እንተተሰማሚዕና ንኣገልግሎትና ከመይ ጌርና ጸላኢና ዲያቢሎስ ክንሕልዎ ከምእንኽእል ብሓባር ንርአ።

መሰረት ኣገልግሎት ፍረታት መንፈስ ቅዱስ
<<እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ።>> (ገላ.522)

ሓደ ኣገልጋሊ ነዘን ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ከም መምርሒ ኣገልግሎት ገንዘቡ ጌሩ እንተሒዝወን ኣብ ኣገልግሎቱ ዝኾነ ማዕበል እንተናወጾ ንሱ ከምቲ ዘይጭደድ እምኒ ኢዩ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ ንፍረታት መንፈስቅዱስውን ንአገልግሎቱ ክሕግዞ ብዘይዋጋ  ይግዘኣየን።
<<ኣብ ኣግልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ ብመንፈስ ዝተቃጸልኩም ኩኑ ንእግዚኣብሔር ኣገልግሉ>> ሮሜ.1211
* ፍረታት መንፈስቅዱስ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ብኸምዚ ይግለጽ:

 ንፍቅሪ ይደልያ
ሓደ ኣገልጋሊ ምስ ኩሉ ተሰማሚዑ ንኹሉ ከም ሓውን ሓፍትን ርእዩ የገልግል። ፍጹም ፍቅሪ ክበሃል ከሎ ነቶም ዝፈትውና ጥራይ ምፍታው ዘይኮነ፣ ነቶም ዝጸልኡናውን ምፍታው ምኽኣል እዩ። <<እምባታት ክሳብ ዝግዕዝ ከኣ ኩሉ እምነት እንተዝህልወኒ ግና ፍቕሪ እንተዘይህልወኒ ከንቱ ኢዩ>> ከምዝበለ እዩ። 1 ቆሮ.13
 
<<ንፍቅርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን>> መሃ.87

ፍቕሪ ከም ኣደ ሳሙኤል ወላድ እያ፡ እምበር ከም ሚልኮል መኻን ኣይኮነትን። ሃና 6 ቆልዑ ወሊዳ ሳሙኤል ስለዝወለደት እታ መኻን 7 ወለደት ተባህለላ። 1ይ ሳሙ 22 ፍቕሪውን ከም ሃና ወላድ’ያ። ዉሉዳውን ብኩነታት ምቅይያርን ብንውሒ እዋን ዘይቅየሩ ናይ ኣሕዋት ፍቅሪ እያ። ፍቕርኻ ብዝሒ እዋን ይቕየር ድዩ? እቲ ዓቢ መጽሓፍ ከምዚ ይብለካ <<ነታ ቀዳመይቲ ፍቅርኻ ስለዝሓደግካያ ፈሪደልካ ኣለኹ>> ራኢ፣24 ሓደ እንተቀየመና ብይቕሬታን ብግሉጽ ልብን ንስዓሮ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ በይኑ ክኸውን ከሎ ብርግጽ እቲ ዝገበሮ የጣዕሶ እዩ። እታ ዝዓበየት ፍቕሪ ባኻ ከይትርሕቅ ንሓደ ሰብ ደጋጊምካ ኣይትገስጾ። ዝንበብ መጽሓፍ ፍቅሪ ክትከውን እንተደሊኻ ንኹሉ ሰብ ጥዑም ቃልን ፍሽኽታን ሓቀኛ ሰላምታን ሃብ። ነቲ ትዛረቦ ሰብ ብርግጽ ኣብ ልቡ ክትኣቱ ኢኻ። ሓዋርያ ዮሃንስ ብግብርን ብሓቅን እምበር ብልሳን ጥራይ ኣይንፋቀር ከምዝብል፡ 1 ዮሃ,31 1 ዮሃ,318 ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገምን ድኻምን ከም ናትና ጸገም ክንርእዮ ከለና፡ ሽዑ ከም 120 ተሰብ ጐይታ ንኸውን። ብኡ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ናይ ኣገልግሎት ሓይልን ጸጋን ከም ዝሃቦም ንዓናውን ከምኡ ይህበና። ዝበቅዑ ኣቦታት፡ ሰብ ፍጡር እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ይፈትውዎ ንደቂ ሰብ ዘለዎም ፍቅሪውን ፍሉይ እዩ። እዚ ፍቕሮም ከኣ ፍቅረ ቢጽ ይበሃል።
ቅዱስ ኣውግስጢንከም ረጋቢት ንሰቲ እምበር ከም ዃሉ ፍጹም ኣይንፋቀርን!!” ኢሉዩ፣ ረጋቢት ነንሕድሕደን ይተሓላለዋ እየን። ክምገባ ከለዋ ብሓደ ይዀና፡ ብሓደውን ይነፍራ። ይታናውን ከም ኣሕዋት ክንፋቶ ንሱ ፍቕሪ ስለዝኾነ ንፍቕሪ ኣርእዩና’ዩ። ኦሪት 622 ሕጋጋት እንተሃለዋ’ውን መእሰሪኣ ፍቕሪ ኢያ።
<<ግብርኻን ጻርኻን ትዕግስትኻን>> ራኢ.22

 ዕጉስ/ዓቃል
ሓደ ኣገልጋሊ ከም ቅዱስ ኣርሳንዮስብዙሕ እዋን ብምዝራበይ እሓዝን፣ ሱቕ ብምባለይ ግና ዝሓዘንኩሉ እዋን የለን፣ይብል፣ ብፍጹም ትዕግስቲ ንኩሉ ክኢሉ፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ፣ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ብትዕግስቲ የገልግል። ንምትካል ግዜ ኣለዎ ንምምንቋስ’ውን ግዜ ኣለዎ። ትዕግስተኛ ሰብ መኣስን ከመይን እንታይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ይፈልጥ’ዩ። (መክ.31-2) ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ <<ነቶም ሕልንኦም ዝዓርቦም ኣተባብዕዎም ነቶም ድኹማት ደግፍዎም ምስ ኩሉ ሰብ ከኣ ዕጉሳት ኩኑ>> 1 ተስ.514 እቲ ዓቢ ዋርያ ዱስ ጳውሎስ 3 ዓመት ንኣገልግሎት እናተዓገሰ ብኸመይ ድዩ ተጊሁ? <<ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘይብኮርኩ ናዘከርኩም ንቕሑ>> (ግ.ሓ 2031) ትዕግስቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣይገርምን’ዶ?

ቅዱስ ጳውሎስን ኣገልግሎትን፡ ኣገልግሎትን ትዕግስትን፡ ክልተ ኣኽናፍ ናይ ሓንቲ ርግቢት እየን ክልቲአን ስለዘይፈላለያ።
ዓባይቲ ኣቦታት ዕጉሳት እዮም ኔሮም። ኣረጋዊ ስምኦን ክንደይ ዓመት ዲዩ ንናይ ጐይታ ልደት ብትዕግስቲ ተጸብዩ? ኣብርሃም’ከ ክንደይ ዓመት ተዓጊሱ’ዩ ንይስሃቅ ረኺቡ? ዳዊት ንጉስ ክኸውን ምስ ተቀብአ ሳኦል ክንደይ ዓመትዩ ተዓጊስዎ? ኣረጋዊ ስምኦን 500 ዓመታት፣ ኣብርሃም 25 ዓመታት ዳዊትውን 15 ዓመት ምሉእ ብፍጹም ትዕግስቲ ተዓገሱ።

ትዕግስቲ መራር እያ ፍረኣ ግን ጥዑም እዩ፣  

ብሓደ ነገር ክሓርቁ ከለው ብዘይ ሕርቃን /ብስጭት/ ንክሃድኡ ዝላመዱ ሰባት ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ።     ቅዱስ ዮሓንስ መነኮስ፡ቁጥዓ እናገጀፈት ክትመጽእ ከላ ዘሽግር ውላድ ትወልድ፡ ኣደ ድማ ትኸውንይብሉ።
ፍቕሪ ንኹሉ ትገዝእ፣ ጥበብ ንኣገልግሎት ፍሬያማ፣ ትሕትና ድማ ንኣገልግሎት ቅንኢ ዲያቢሎስ ተርሕቕ
 ትሑት
ሓደ ኣገልጋሊ ብፍጹም ትሕትና ንኹሉ ኣኽቢሩ ከም ዳዊት <<ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን>> (መዝ 22፡6) ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ <<ንዓይ ቁላዕ ንዝመስል>> (1 ቆሮ 15፡8) እናበለ ብፍጹም ትሕትና የገልግል። ንኻልኦት ክምዕድ ከሎ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብንብዓት ኮይኑ ንኣገልግሎቱ እናሰሰዐ የገልግል። 1 ቆሮ.157, ፊሊ.318

ከምዚውን ዝብል ኣሎ፣ <<ዝተኣዘዝኩምዎ ኩሉ ምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጥቅም ቦሮት ኢና እቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና በሉ>> ሉቃ.1710 እዚ ዓቢ ዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነገልገልቲ ትሕትና ክምህር ከሎ ከምዚ በለ፡ ሓዋርያ ክስመ ዘይበቅዕ (1 ቆሮ 159) ለካ ንሕናውን ኣገልገልቲ ተባሂልና ክንጽዋዕ ዘይንበቅዕ ኢና፣ ሙሴ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለው ኩሎም ሰባት ብጣዕሚ ትሑት ኢዩ ኔሩ። ዘኁ. 123 <<ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም>> ያዕ.46 ይብል እቲ ቅዱስ።
ንኹሉ ሰብ ትሕትና ኣርእይ፣ ትሕትና ብዕድመን ማዕርግን ካባኻ ንዝዓብዩን ንናእሽቱን ክኸውን ከሎ ክንድምንታይ ዝጸበቀ ይኸውን!!

ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 1.ቆሮ.38

 ሰላማዊ
<<ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዚከኣለኩም ግበሩ>> ሮሜ.1218 ከምዝብል ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ዝነብር ሰብ ትዕድልቲ እዩ። ነቲ ክርዳድ ኣብ ምምንቋስ ንውሽጣዊ ሰላምኩም ምስ ሰባት ንዘለኩም ሰላም ክትስእንዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንአርምሞኹም/ንስቕታኹም፣ ናይ ነፍሲ ርግኣትኩምን ትሕትናኹምን ክትስእንዎ ኢኹም። ኣብ ልኦት ዘሎ በሰር ክትምንቅሱ ኣባኹም ዘሎ ስርናይ ከይትብንቅሱ ተጠንቀቁ! ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንስርናዮም ሓልዮም ነቲ ክርዳድ ጥራይ ክብንቁሱ ዝኽእሉ ውሑዳት ስለዝኾኑ።
ነቲ ክርዳድ ንምምሓው ዝኽእሉ ውሑዳት ስለዝኾኑ።

ነቲ ክርዳድ ንምምሓው እቲ ተመራጺ መንገዲ ንኹሉ ብገፊሕ ልቢ ሓሊፍካ ክርዳድ ኣብ ዝበዝሖ ግራት ስርናይ ኰንካ ምርካብ እዩ። ንሕና፡ ንምንታይ ስርናይ ዘይኮንኩም ተባሂልካ ክንሕተት ኢና። ነቲ ክርዳድ ዝተኸልናዮ ንሕና ስለዘይኮንና ብዛዕባ እቲ ክርዳድ ዝሓተና የለን።

<<ሓደ እኳ፡ ብልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ>>። ያዕ.126
 
 ልሳኑ ዝገትእ
እቲ ሶቅራጠስ ዝተባህለ ፍላስፋ፡ቃልካ ምስ ሰባት ንዘለካ ርክብ ይውስኖ እዩ።ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። ዘኽታማት ስድራ ዝተወልደ እቲ ናይ ፈለማ ባሕታዊ ዝኾነ ኣባ ጳውሊ፡ <<ልሳን ሓዊ እያ>> ንዝብል መልእኽቲ ያዕቆብ ሓንሳብ ሰሚዑ(ያዕ.36) ኣነውን ብልሳነይ ንሰባት እንተሕዘነት ኸ፤ ኢሉ ስድርኡ ገዲፉ ናብራ በረኻ ጀመረ። ዳዊት’ውን፡ ኣቦ ንልሳነይ መዕጸዊ ኣንብረለይ ኢሉ’ዩ። ለካ ልሳንውን መዕጸዊ ማዕጾ ኣለዋ። ወረ መዓስ ልሳን ጥራይዓይኒ፡ መልሓስ፡ እዝኒ’ውን ማዕጾ ኣለወን። ኩሉ ግዜ ኩፉታት እንተኾይነን ሓደጋ እዩ። ኩሉ ግዜ’ውን ዕጽዋት እንተኾይነን ጸገም እዩ። መፍትሕ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ፣ ክዕጸዉ ኣብዘድልየሉ እዋን ንዕጽዎም። ክኽፈቱ ኣብ ዘድልየሉ’ውን ንኽፈቶም። ክርስቲያን ማለት ልክዕ ቅዱስ ዮሓንስ ስጋብ ዝውለድ ዘካርያስ ዓባስ ከምዝኾነ ክኸውን ማለት ኣይኮነን። መለክዒ ክርስትና ዘይምዝራብ ዘይኮነ ብዘረባኻ ንዝኾነ ሰብ ዘይምቅያም ኢዩ። ዱስ ኣጊሪስ፣ ንስቕታ፣ ተዛራባይ ሰብ እየ ተማሂረዮ። ኢሉ’ዩ። እዚ ከኣ ህይወትና ዘረባና ልሳንና መንፈሳውያን ዲዮም? ኢልና ንክንሓትት ንመርምር መጀመርያ ሰብ ቤተመቅደስ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ፡ ካብዚ ቤተመቅደስ ከኣ መዝሙርን መንፈሳዊ ቅኔን ይወጽእ፣ ቤተመቅደስ መንፈስቅዱስ ስለዝኾና ፍረ መንፈስቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኣሎ። ገላ 522
ንሕና እቶም ብእምነት ብርቱዓት ዝኾንና ነቶም ዝደኸሙ ኣሕዋትና ክንድግፎም ደኣምበር ንገዛእ ርእስና ጥራይ ባህ ከነብል ኣይግበኣናን እዩ። ሮሜ.151

 ሕጉስ
ንሰባት ብጽቡቕን ምቁር ቃልን ፍሽኽ እናበልና ንቀበሎም። ሓደ ኣገልጋሊ ንኹሉ ጽቡቕ ገጽ ኣርእዩ ባህ እናበሎ የገልግል። << በለስ ኣይክትዕምብብን፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህሉን፡ ፍረ ኣውሊዕ ኺጠልም፡ ግርሁ ምግቢ ኣይክህብን እዩ፡ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣ፡ ኣሓውን ኣብ ደምቤታት ክሰኣና እየን፡ ኣነ ግና ብእግዚኣብሔር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ>> (ት. ኣንባቆም.317-18) ከምዝበለ ዋላ እኳ እቲ ኣገልግሎት ከምቲ ዝሓስቦ እንተዘይኮነሉ እቲ ዝተመነዮ ኣገልግሎት ርሑቕ ከምዘይከውን ስለዝፈልጥ ነታ ዘላቶ ኣገልግሎት በረኸት ምእንቲ ክሓፍሰላ ብእግዚኣብሔር ባህ ይበሎ። እቲ ሃዋርያ ዱስ ጳውሎስ፡ <<ብጐይታ ባህ ይበልኩም ሓንሳብውን ኣይኮነን ሕጂውን ባህ ይበልኩም።>> ክብል ከሎ ኣብ ኣገልግሎቱ ገለ እኳ ጸገም ከይሃለዎ ኩሉ ተመዓራርዩሉ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግና እቲ ዝጎደሎ ብጐይታ ከምዝመልእ ስለዝፈልጥ ብተስፋ ተጸናኒዑ’ሎ። <<እቲ ክገብሮ ዚግብኦ ናይ ነገር ዚፈልጥ ግና ዘይገብሮ ንሱ ሓጢኣተኛ ኢዩ።>>

መምርሒታት ተግሳጽ
ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ሓይሊ ዲያቢሎስን ድኻም ተፈጥሮ ሰብን ስለዝፈልጥ፡ ነቲ ዝወደቀ ሰብ ኣይግስጾን’ዩ፡ ኣይፈርድን’ዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ዱስ ጳውሎስ ንጢሞቲዎስ ገስጽ ኢልዎ እዩ። 2.ጢሞ.42 ነዚ ክብል ከሎ ግና፡ ኩልና ክንግስጽ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝግስጽ ሰብ ከምቲ ጳጳስ ጢሞቲዎስ ንኽግስጽ ዘለዎ ስልጣን ዓይነት ኣለኒ’ዶ? ምባል የድሊ። ከመይ ጌርና ኢና ንግስጽ? ኢሉ ክሓስብ ይግባእ ዱስ ጳውሎስ ከም ድኹም ሰብ እናበኸየ ኢዩ ግስጽ ዝነበረ። ግሓ. 2031 ስለዚ ንዝኾነ ሰብ ክትግስጽ ከለኻ ብፍቅርን ትሕትናን ይኹን። ሽዑ ቅድሚኡ ካብ ዝራእኻዮ ጽቡቕ ውጽኢት ስለትርኢ ፍሽኽ ክትብል ኢኻ።

ተሰማዕነት ከይትስእን’ውን ብዛዕባ እተን ጌጋታት ብዕድመ ኮነ ብመንፈሳዊ ህይወት ትሕቴኻ ንዘለው ኣይትገስጽ። << እግዚአብሔር በደልና እንተጸብጸብካስ ጐይታ ካብ ኩነኔስ መን ከመሉቅ ይኽእል፤>> መዝ.1293 ። ከምዝብል ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምሕላፍ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ ክትጋገ ከለኻ ኣምላኽ ርእዩ ከምዘይረኣየ ከምዝኾኖ ማለት እዩ። ወትሩ ትግስጾ እንተኾንካ እቲ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዝሕታለ ይወድቅ። ብምርድዳእን ፍቕርን ዝተጀመረ ማዕዳ ነቲ ውጽኢቱ ሽዑ ንሽዑ ብዓይንኻ ትርእዮ ኢኻ። ዋላ ሓደ ሰብ ከይተጎድአ ነቲ ፍረ ብምርኣይካ ባህ ይብለካ።
 
<<በበይኑ ዝኾነ ፈተና ኪበጽሓኩም ከሎ ንኹሉ ከም ሓጎስ ቁጸርዎ።>> (ያዕ 12)

    ፈተና
ሓደ ኣገልጋሊ ንኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ፡ እቲ ፈተና ሽዑ ይጅምር። ጸላኢ ናይ ዝኾነ ዲያቢሎስ ብኣግአልግሎትኩም ከምዝቀንእ ሓሲብኩም ትፈልጡ? ብርግጽ ንሱ ይቀንእ’ዩ’ሞ ዝኾነ ፈተና ከጓንፈና ከሎ ቅድሜና ይጽበዮ ኔሩ እምበር ኣይትገረም። ብኣገልግሎትካ እግዚብሔር ክሕጎስ ከሎ ዲያቢሎስ ግና ይሓርቅ እዩ። ብነስሓ ሓደ ሰብ መላእክተ ሰማይ ባህ ከምዝብሎም፣ ብውድቀት ሓደ ጻድቅ’ውን ሰራዊተ ዲያቢሎስ ኣጋንንት ባህ ከምዝብሎም፣ ኣይትዘንግዕ!! ብኣገልግሎትካ እንተ ወደቅካ ቅንኢ ዲያቢሎስ ከምዝኾነ ዘጠራጥር ነገር ስለዘይኮነ ከምዚ በሎ፡ <<ኣቱም ጸላእትና እንተወደቕና እኳ ክንትንስእ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥና’ውን እግዚኣብሔር ብርሃንና ኪኸውን እዩ እሞ ብኣና ኣይትተሓጎሱ።>> (ሚል.78)

ዲያቢሎስ ልኦት ኣጸቢቁ ዘሓጉሶ ተስፋ ክንቆርጽ ከሎና እዩ ኣብ ኣገልግሎት ደው ምባል ጥራይ ዘይኮነ ምውዳቅውን ከምዘሎ ወዲቅካ ምትራፍ ጥራይ ዘይኮነ ምትንሳእውን ከምዘሎ ክንፈልጥ ኣሎና። ለካ ከም ነብዩ ኢሳያስ ብለምጺ ምስትሃረምካ ምሕዋይን ምግልጋልን ኣሎ። ኢሳ.61 ኣገልግሎት ኮብሊልካ ብዓሳ ነባሪ ድሕሪ ምውሓጥካ’ውን ተመሊስካ ንሰብ ነነዌ ንኽትሰብኽ ንኣገልግሎት እንደገና ምጽዋዕ ኣሎ። ታሪኽ ናይዞም ቅዱሳን ኣቦታት ነብያት ብኣገልግሎት ተስፋ ክንቆርጽ ከምዘይብልና ምሂሮሙና ሓሊፎም እዮም
እግዚአብሔር ወልድ፡ ብቅድስናን ንጽህናን ኣብዛ ምድሪ ን ሰላሳን ሰለስተን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ክመላለስ ከሎ፡ ኣብ ኣገልግሎት ተስፋ ክንቆርጽ ከምዘይብልና ምሂሩና ኢዩ። እግዚአብሔር ነቲ ዝተወድአን ዝተቆርጸን ተስፋ ይቅጽሎ ስለዝኾነ። ኢሳ.1

ጥበብ ኣገልግሎት

ቅድስ ጳውሎስ ንኹሉ ንክሓቊፍ ጥበብ ይጥቀም ኔሩ። <<…….. ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ኮንኩ ….. ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለው ትሕቲ ሕጊ ከም ዘሎ ኮንኩ…>> 1 ቆሮ920 እዚ ከኣ ብኣገልግሎት ንኹሉ ክሓቊፍ ካብ ዝነበሮ ድሌት ኢዩ።
<<እቲ ንዕዮ እግዚአብሔር ብሙሉእ ልቡ ዘይፍጽም ርጉም ይኹን፣>> ኤር.4810 እዚ ቃል ኣገልገልቲ ነታ ንእሽተይ ስራሕ’ውን ብሸለልትነት ክንሰርሕ ከምዘይብልና ይምህረና።

  ጸሎት
ምስ ገዛእ ሕልናኻ? ብንግሁኡ ንዝኾነ ሰብ ከየዛረብካ ክትዛረብ ዝግባኣካ ምስ ፈጣሪኻ እዩ። ሓደ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ምእንቲ ክቅበለሉ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምጅማሩ ንጸሎት የቀድም። ቅዱስ ጳውሎስ፡ <<እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቅ ይጠንቀቅ፣>> (1ይ ቆሮ 10፡12)ከምዝበለ፣ ንሱ ባዕሉ ንከይወድቅ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብጸሎት ይለምን።

 መጠቃለሊ
እቲ ዓቢ መጽሓፍ፡ <<እቲ ዜንብብ የስተውዕል>> (ማቴ 24፡15) ይብል ትማሊ ምሳኻ ዝነበረ ክንደይ ኣገልጋሊ ካብ ኣገልግሎት ተሪፉ? እዚ ብሓቂ ካብ ልቢ ዘሕዝን እዩ። እዚ ከኣ ብዙሕን ዝተፈላለየን ምኽንያት ኣለዎ ገጽን ዘረባ ሰብን ርእዩን ሰሚዑን ኣገልግሎት ንድሕሪት ዝበል ብዙሕ እዩ። ክንጅመር ገጽን ዘረባን ሰብ ሪኢና ዘይኮነስ ቃል ምሕረት ኣምላኽ ክንሰምዕ ኢዩ ኔሩ። ኣባ ፒሾይቤተ ክርስቲያን ናይ ኩሎም ደቃ ቁራጽ ጽፍሪ ትደልያከምዝብል ኩሎም ካብ ኣገልግሎት ዝረሓቁ ክምለሱ ናይ ልቢ ትምኒትና’ዩ።

ነዚኣ ጽሕፍቲ ምንባብና’ውን ከምዚ ዓይነት ከይበጽሓና ከምዝጠቅመና ይአምን። ናይ’ዛ ጽሕፍቲ ዋና ዓላማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ህይወ ንኹሉ ዳህሲሱ ንኹሉ ርእዩ ከምዝተዛረቦ ናይ ኣገልግሎት መሰረት ፍረታት መንፈስቅዱስ ፍጹም ፍቅሪ ፍጹም ትዕግስቲ፣ ፍጹም ትሕትና፣ ገንዘብና ጌርና ኣብ ኣገልግሎትና ክንብርትዕ ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ንሕና’ውን እንተክኢልና ምስ ኩሉ ብፍቕሪ ብምምልላስ፡ ብፍቕሪ፡ ብሰላም፡ ብሓጎስ፡ ብትሕትናን ትዕግስትን ንኽንነብር ንመነ። ኣብ ጸሎትና ንፍረ መንፈስቅዱስ ዝኸውን ክህበና ንክርስቶስ እሙን ኣምላኽና ንለምኖ። <<ለምኑ ክወሃበኩምዩ ኳሕኩሑ ክክፈተልኩምዩ>> (ማቴ 7፡7)ከምዝብል ነቲ ዝልምን ሰብ ዝልምንዎ ዘይከልእ ኣምላኽ ይስምዖ’ዩ። ምስ ነብሱን ምስ ሰባትን ሰላም ኮይኑ ብሰላም የገልግል።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!

No comments:

Post a Comment