Thursday, June 21, 2012

ደወል (መጥቅዕ)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ጾመ ሓዋርያት


ደወል (መጥቅዕ)

ኣብ  ቤተክርስቲያና  ዝርከቡ  ንዋያተ  ቅዱሳት  ነፍሲ  ወከፎም  ናይ  ገዛእርእሶም  ኣብነትን  ትርጉምን  ኣለዎም።  ኣብ ቤተክርስቲያን ኩሉ ካብታ ዝነኣሰት ስጋብ ዝዓበየት ኩሉ ዘምሓላልፎ መልእኽትን ትርጉምን ኣለዎ። በዚ ከኣ ሓደ ክርስቲያን ናብ ቤተመቅደስ ክኣቱ ከሎ ብዝርእዮ ኩሉ ነገራት፣ ነገረ እግዚአብሔር ብኣንቃዕድዎ ኅሊና ብንጹሕ ልቦና መንፈሳዊን ሰማያዊ ምሥጢርን ክሓስብ ይገብሮ።


ሓደ ካብ ንዋያተ ቅዱሳት ቤተክርስቲያና ደወል እዩ።   ደወል ካህናትን ምእመናን ናብ ቤተመቅደስ ክእከቡ ምእንቲ እንዳተሃርመ ድምጺ ዝህብ እዩ። ደወል ኣብ ቤተመቅደስ ዝድወል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክኸውን ከሎ፣ ክድወል ከሎ'ውን ናቱ ዝኾነ ምኽንያት ኣለዎ።  ቀጺልና ከኣ ምኽንያት መደወሊኡን ኣስማቶምን ክንርእዮ ኢና።

1. ናይ ተጋብኦ ደወል

ንኣገልግሎት ዝተመደቡ ካህናት ከምእ'ውን ምእመናን ናብ ቤተክርስቲያን ክእከቡ ምእንቲ ዝድወል ደወል እዩ። ሰዓታት፣ ማኅሌት፣ ቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ናይ ቤተክርስቲያን በሪ ቅድሚ ምኽፋቱ እዚ ደወል ይድወል። ናይ ተጋብኦ ደወል ናይ ትንቢት ነብያት ኣብነት   እዩ። ነብያት   ንህዝቢ ካብ ኣምልኮተ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር እንዳመልሱ ንናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ንሓድሽ ኪዳን ኪዳልዉ ይገብሩ ኔሮም። እዚ ደወል'ውን ንምእመናን ካህናትን ኣተሢኡ ንጸሎት ኪዳልዉ ይገብር።

2. ናይ ቅዳሴ መእተዊ ደወል

ካህናት መሥዋእተ ወልደ እግዚአብሔር ኣኽቢሮም ካብ ቤተልሔም ናብ ቤተ መቅደስ ንቅዳሴ ኪኣትዉ ከለዉ  ክኣትዉ ዝድወል ደወል እዩ። እዚ ደወል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም <<  ተፈሥሒ ፍሥሕት ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ' ደስ ይበልኪ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ። ፍረ ከርሥኺውን ብሩኽ   ኢኺ…..  እንሆ ክትፀንሲ   ኢኺ ወዲውን ክትወልዲ  ኢኺ ስሙውን ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኺ። >>  ኢሉ ቅዱስ ገብርኤል ንዘብሠራ፣ ናቱ  ኣብነት ምዃኑ ሊቓውንቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ነዚ ኣብነት ምዃ ብምጥቃስ የምህሩ። ሉቃ.1-26  እዚ ደወል ቅዳሴ  ምእታዉን፣ መሥዋእተ ወልደ እግዚአብሔር ዝሥወኣሉ ግዜ ምዃኑ ከምዝገልጽ፣  ቅዱስ ገብርኤል'ውን ናይ ክርስቶስ ምውላድ ኣበሢሩ እዩ። ልደቱውን ኣብ  ቤተልሔም ተፈጺሙ።

ብኻልእ ወገን ከኣ እዚ ደወል መጥምቐ መለኮት  ቅዱስ ዮሓንስ << እንሆ ናይ  ዓለም ሓጥያት ዘርሕቅ ገንሸል ኣምላኽ።>> ኢሉ ዝተዛረቦ ኣብነት እዩ። ዮሓ. 1-29-30

3. ደወል ወንጌል

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ወንጌል ምስ ተነበ ዲያቆን << ጻኡ ንዑሰ ክርስቲያን >> ኢሉ ክእወጅ ከሎ ዝድወል ደወል እዩ። ናይ ስብከተ ዮሓንስ፣ ስብከት ሓዋርያትን ሰብኣ ኣርድእት ልቅሶ ኣብነት እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕገ ወንጌል ቅድሚ ምምሃሩ ናይ ሰባት ልቢ ናብ ንስሓ ንምድላው ጸራጊ መገዲ ነጋሪ ኣዋጅ መጥምቐ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ንስሓ ትምህርቲ ኣምሂሩ እዩ። ሉቃ.3-3
ካብ ዓለም ፈልዩ ዝጸውዖም ቅዱሳን ሓዋርያት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሥቀል ከሎ ኣልቂሶም እዮም። እዚ ደወል ክድወል ከሎ ንሓስቦ ናይ መጥምቐ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ንስሓ ስብከትን ከምኡ ከኣ ናይ ሓዋርያት መሪር ሓዘን እዩ። ናይ ወንጌል ደወል ድሕሪ ምድዋሉ መሥዋእተ ወልደ እግዚአብሔር ይሥዋእ፣ ሥጋ ወደሙ ተፈቲቱ ንዝቕበልዎ ኩሎም ይቀርብ። ድሕሪ ናይ መጥምቐ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ትምህርቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን እንዳዞረ ኣምሂሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ'ውን ስለ ዓለም ድኅነት ክብል ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቂሉ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ።

4. ናይ እግዚኦታ ደወል

ኣብ ፍረ ቅዳሴ ገባሪ ሠናያት ካህን ተወሰኽቲ ካህናትን ምእመናን እንዳተቀበበሉ  41 ጊዜ << እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ >> ይብሉ። ኣብቲ ግዜ ዝስማዕ ናይ ደወል ድምጺ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ፍቑረ እግዚእ ናይ ልቅሶ ድምጺ ኣብነት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዲ መዝሙሩ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቂሉ እንዳረኣየቶ ብዙሕ ነቢዓን ኣልቂሳን እያ። ዮሓ.19-25 ሎሚ'ውን ምእመናን ምእመናን እግዚኦታ ከብጽሑ ከለዉ ንመስቀሉ እንዳሓሰቡ ከም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሓንስን እንዳኃዝኑ ከልቅሱ፣ እዚ ናይ  ደወል ድምጺ ይስማዕ።

5. ናይ ድርገት ደወል

ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ወልደ እግዚአብሔር ተፈቲቱ ንምእመናን ንምቅባል ካህናት ካብ መቅደስ ናብ ቅድስት ክወጹ ከለዉ ደወል ይድወል እዩ። ኣብቲ እዋን ዝድወል ደወል ናይ ዮሴፍን ኒቀዲሞስን ልቅሶ፣ ሉቃ.23-50 ከምኡ ከኣ ናይ ሓዋርያትን ናይ ሰብኣ ኣርድእትን ትምህርቲ ኣብነት እዩ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ድሕሪ ምፍላዩ ንሥጋኡ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ገኒዞሞ እዮም። ክገንዝዎ ከለዉ'ውን እንዳሓዘኑን እንዳበኸዩን << ሞትከኑ መንሥኢሆሙ ለምውታን፣ ደከምከኑ መጽንኢሆሙ ለድኩማን ንሙታን እተተሥእ ሞትካ፣ ንዝደኸሙ ተጽንዕ ( ተበራትዕ) ደኸምካ። >> ይብሉ ኔሮም። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምዚ ኢሎም ክገንዝዎ ከለዉ ኣዒንቱ ከፊቱ ከም ዕሩቅ ብእሲ (ከም ፍጡርከምኡ ኢሎም ክገንዝዎ ከምዘይብሎም ብምንጋር፣ ከምዚ ኢሎም ክገንዝዎ ነግሮም <<  ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፣ ዘተወልደ እም ማርያም እም ቅድስት ድንግል ተሣሃለን እግዚኦ፣ ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፣ ዘተጠምቀ በማይ ዮርዳኖስ ዘተሠቅለ ዲበ ፅጸ መስቀል ተሣሃለነ እግዚኦ፣ ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፣ ዘተንሥአ እሙታን  አመ ሣልስት ዕለት ዐርገ በስብሐት ወስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አብሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ ተሣሃለነ እግዚኦ።>>     <<   ቅዱስ እግዚአብሔር፣ ቅዱስ ኃያል፣ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ መሓረና። ቅዱስ እግዚአብሔር፣ ቅዱስ ኃያል፣ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፣ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ ኣብ ልዕሊ ዕፀ መስቀል ምእንታና ዝተሰቕለ መሓረና።ቅዱስ እግዚአብሔር፣ ቅዱስ ኃያል፣ ቅዱስ ሕያው ዘይመውት፣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ዝተንሥአ፣ ብምስጋና ናብ ሰማያት ዝዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቦኡ ዝተቐመጠ፣ ኣብ ሕያዋንን ምውታንን ክፈርድ ከም ብሓድሽ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ጎይታ መሓረና። >>  እንዳበሉ ክገንዝዎ ኣዚዙ። ነጊርዎም። እሶም ከምቲ ዝበሎም ጌሮም ብምግናዝ ኣብ ሓድሽ መቃብር ኣንቢሮሞ።

ዮሴፍን ኒቆዲሞስን እንዳበኸዩ ነፍሲ ዝተፈለዮ መለኮት ዝተዋህዶ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ኣብ ሓድሽ መቃብር ከምዝቐበርዎ፣ ካህናት ከኣ ብሓዘንን ብኣትኅቶ ርእሲ ነፍሲ ዝተፈለዮ መለኮት ዝተዋህዶ ሥጋ ወደሙ ኣብ ዘቀብሉሉ ሰዓት ደወል ይድወል። ሓዋርያትን ሰብአ አርድእትን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሎም ኣብ ኣርባዕተ ኩርነዓተ ዓለምና ብምዛር ወንጌል ኣምሂሮም እዮም። ንሕዝቢ'ውን  ካብ ሞት ናብ ህይወት ክምለስ ሰቢኾም እዮም። ቅዱሳን ሓዋርያት ዜሮም ምምሃሮም ንኽንሓስብ ናይ ድርገት ደወል ይድወል፣ ንሶም ብትምህርቶም ንደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዘሳገሩ ብድምጺ ደወል፣ ምእመናን ናይ ዘልዓለም ሂወት ዝርከብሉ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ይቀርቡ። ናይ ደወል ትርጉም ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ምሕረቱን በረከቱን ይብዝሓልና። ሰላሙ ይሃበና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።
(For those who do not have Geez, please visit this link) DEWEL (METKIE)

No comments:

Post a Comment