Monday, June 11, 2012

ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ (2)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ብሂል አበው፡
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ


8. ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ይሕሸኒ።

ኣቦና ማርቆስ ንቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ “ኣቦና ንምንታይ ኢኹም ምሳና ክትኮኑ ዘይትደልዩ፤” ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ “ኣምላኽ ይፈልጥ ከም ዘፍቕረኩም፡ ግና ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ኣምላኽን ሰብን ክኸውን ስለዘይከኣል እዩ። እልፊ ኣእላፍ ሰማያዊ ሰራዊትን ሰማያዊ ጽፍሕን ብሓደ ፍቓድ እዩ ዝነብር፡ ሰብ ግና ብዙሕ እዩ ድልየታቱ። በዚ እየ ኣምላኸ ገዲፈ ምስ ሰባት ክኸውን ዘይደሊ።”

9. ድቃስ ከም ዘይጠቅም።

ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ከምዚ ይብሉ ነበሩ “ሓደ ዝጋደል መነኰሰ ሓንቲ ሰዓት ንድቃስ ትኣኽሎ እያ”።


10. ዘይውዳእ በረኸት እግዚኣብሔር ንቅዱሳኑ።

ኣቦና ዳኒኤል ብዛዕባ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል ነበረ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ገዳም ምሳና ይነብር ነይሩ። ንዕኡ ዝኾውን ስርናይ ኣብ ዓመት ከኣ ኣብ ንእሽቶ መስፈሪ ንህቦ ነበርና። ክንበጽሖ ከሎና ኩልና ካብቲ ዝሃብናዮ ስርናይ ንምገብ ነበርና።

11. ካብ ኣገልግሎት ብዘይጸሎት ጸሎት ብዘይኣገልግሎት ይሓይሽ። 

ሓደ እዋን ቅዱስ ኣርሳንዮስ ንኣቦና እስክንድር፡ስራሕካ ምስ ወዳእካ ብሓንሳብ ክንበልዕ ምጻኒበሎ። ቅዱስ እስክንድር ድማ፡ኣጋይሽ እንተመጹኒኸ፤ኣጋይሽ እንተመጹኻ ምስኦም ተመገብ።ይብሎ። ቅዱስ እስክንድር ብመደብ ይኸይድ ስለዝነበረ ኣብ ስርሑ ግዱስ እዩ ነይሩ። ቃል ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከይየዕብር እዋን መግቢ ምስ በጽሐ ስርሑ ስለዘይወደአ ክሳዕ ዝውድእ ጸነሐ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ እስክንድር ምስ ደንጎዮ፡ ኣጋይሽ መጺኦሞ ማለት እዩ ኢሉ በለዐ። እስክንድር ግና ስርሑ ምስ ወደአ ናብ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ከደ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡እንታይ ደኣ ኣብ እዋን መግቢ ዘይመጻእካ፤በሎ። ቅዱስ እስክንድር ድማ፡ስራሕካ ምስ ወዳእካ ምጻኒ ስለዝበልካኒ ሕጂ ወዲአኢሉ መለሰሉ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ እስክንድር ጥንቁቕ ምዃኑ ምስ ረኣየ ተገረመ። ከምዚ ድማ በሎ፡መዓልታዊ ጸሎትካ ምእንቲ ክትጽሊ ኣቀዲምካ ጾምካ ፍታሕ ማይካ ስተ እንተዘይኮይኑ ቀልጢፉ ሕማም ከጥቅዓካ እዩበሎ።

12. ናብራ ብሕትውና ገድሊ ከምዘድልዮ።

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ምስ ገለ ኣሕዋት ብሓደ ቃንጫ ዝነበሮ ቦታ እና ሓለፉ ከለዉ።እንታይ ደኣ እዩ እዚ ምንቅጥቃጥ ኢሉ ሓተቶም፤ እዚ ናይ ቃንጫ እዩበሉዎ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ናብራ ብሕትውና ዝነብር ሰብ ሓደ ድምጺ ናይ ዑፍ እንተሰምዐ ልቡ ኣይሃድእን። ክንደይ ካባኹም ከምዚ ዓይነት ናይ ቃንጫ ምንቅጥቃጥ ዘለኩም፤ኢሎም ብምሕታት ናብራ ብሕትውና ገድሊ ከምዘድልዮ ሓበርዎም።

13. ኲናት ጸላኢ ሰናያት ምስ ቅዱሳን።

ኣብ ሓደ እዋን ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እስክንድርያ እትርከብ ከተማ ካኑቡስ እንከሎ፡ ሓንቲ ሃብታም ጓልኣንስተይቲ መንእሰይ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዋ መጸቶም። ኣብዚ እዋን ቅዱስ ኣርሳንዮስ ዘይኮነ ኢጲስቆጶስ ቴዎፍሎስ ተቀበላ። እታ መንእሰይ ካብ ሮማ ዝመጸት ዝነበረት። ንኢጲስቆጶስ ቴዎፍሎስ ድማ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ንኽትርኢ ለመነቶ። ቴዎፍሎስ ድማ፡ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ መንእሰይ ካብ ሮማ ንዓኻ ክትርኢ መጺኣ ኣላ በሎ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ ንኽርእያ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ነዚ ምስ ሰመዐት እታ መንእሰይ ከይራእኹዎስ ኣይከይድን፡ ምኽንያቱ ሰብ ዘይኮነስ ነቢይ ክርኢ ኢለ እየ መጺአ ዘለኹ፡ ኢላ ናብቲ ዝጽልየሉ ቦታ ከደት። ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ብምንባሩ ከኣ ክትርእዮ ኣይጸገማን። ኣብ እግሩ ተደፊኣ ድማ ክትስዕሞ ፍግም በለት። እናሓረቐ ከምዚ እናበለ ኣተንሰኣ፡ ገጸይ ክትርእዪ እንተደሊኺ ኣብ ቅድሜኺ ኣለኹ። ረኣይኒ። ብሕፍረት ዝኣክል ክትጥምቶም ኣይከኣለትን። ካብ ገዛኺ ክትወጺ ዘይግበኣኪ ነዚ ኩሉ መንገዲ ከመይ ገይርኪ ተጻዊርኪ መጺኺ፤ ንኣንስቲ ሮማ ከይድኪ ንኣርሳንዮስ ርአዮ መጺአ ክትብልዮም እሞ ኩለን አንስቲ ሮማ ናብዚ ክመጻ ዲኺ ደሊኺ፤ እታ መንእሰይ፡ፍቓድ ኣምላኽ እንተኾይኑ ናብዚ ዝኾነ ንኸይመጽእ ክነግሮም እየ ኣብ ጸሎትካ ጥራይ ዘክረኒበለቶ። መልሲ ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ገጽኪ ካብ ልበይ ንክሓኮ ንኣምላኽ ክልምኖ እየ ነዚ ምስ ሰመዐት ሕማቕ ተሰመዓ። ንከተማ ምስ በጸሐት ብክቱር ሓዘን ሐመመት። ቲዎፍሎስ ነዚ ምስ ፈለጠ ክበጽሓ ከደ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ ምስ በልኩዎ፡ገጽኪ ካብ ልበይ ንክሓኮ ንኣምላኽ ክልምኖ እየኢሉኒ ኢላ ንሓዘና ጠንቂ ነገረቶ። ቲዎፍሎስ ድማ፡ ሰበይቲ ምዃንኪ ኣይትረስዒ፡ ደሓር ከኣ ጸላኢ ሰናያት ብኣንስቲ ገይሩ እዩ ንቅዱሳን ዝዋግኦም። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ዝተዛረበኪ። ኩሉ ግዜ ከኣ ምእንታና ቀጻሊ እዩ ዝጽሊ። ስለዚ ኣይትጨነቒ። ሓሳባ መድኃኒት ረኺባትሉ ናብ ዓዳ ተሓጒሳ ብሰላም ተመልሰት። አቡነ ኣርሳንዮስ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ጸሎት ይዝኩርዋ ነበሩ።


በረኸቶም ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ኣብ ዝቕጽል ድማ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ትሕትና ብመንጽር ብሂል ኣበው ከነቕርበልኩም ኢና።
  
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

(For those who do not have Geez, please visit this link) KIDUS ARSANIOS (2)

No comments:

Post a Comment