Saturday, June 9, 2012

በቂዔ እየ ዝበሃል መዓስ እዩ፤


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ጾመ ሓዋርያት

በቂዔ  እየ ዝበሃል መዓስ እዩ፤


ኣብ ሓደ ገዳም ዝነብሩ መንኰሰ ኣቦ እዮም። ምስቲ ናይቲ ገዳም አበምኔት ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቶም እንዳዕለሉ ከለዉ ነቶም አበምኔት ከምዚ በልዎም << ኣቦና ኣነ ሎሚ ናይ ዓለም ሓጢኣትን ግፍዕን በደልን ርእየ። ስለዚ ዝበቃዕኹ ኮይነ እየ ማለት እዩ።>> እቶም አበምኔት'ውን  << ዝወደይ እስከ በርቲዕካ ጸልይ ገና ኢኻ።>> ብምባል መለሱሉ።


ካልእ ግዜ'ውን 'መንኰሰ ናብቶም አበምኔት ከይዱ << ኣቦና ሕጂ'እሞ በቂዐ እየ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ ሰማይ ክወርዱን ኪድዩቡን ናይ ሕዝቢ ሓጥያት ከስተስርዩ ርእዮም >> ኢልዎም። እቶም ኣቦ ከኣ << ዝወደይ ገና ኢኻ ሕጅ'ውን በርቲዕኻ ጸልይ >> ኢሎም ኣፋነውዎ። እቲ መንኰሰ'ውን ናብ በዓቱ ብምምላስ ኣበርቲዑ ይጽልን ይጸውምን ይሰግድን ነበረ።

እቲ መንኰሰ ንሳልሳይ ግዜ ዝረኣዮ ራእይ ከምዚ ኢሉ ነቶም አበምኔት ነገሮም <<  ኣቦና ሎሚ ዝረኣይክዎ ራእይ ኣነ ኣብ ዓለም ከለኹ ዝሰራሕክዎ ሓጥያት  ኩሉ ሓደ ብሓደ ተራእዩኒ።>> ኢልዎም፣ እሶም'ውን << ዝወደይ  ዝበቃዕኻ ሕጂ ኢኻ >> ብምባል ነገርዎ።

ካብታ ዕለት ጀሚሩ ንነብሱ እንዳወቀሰ ብትግሃት ኣብርቲዑ ጸሎትን ጾምን ቀጸሎ

ክርስቲያናዊ ህይወት ምድራዊ ድሌታትና ገቲኢና፣ ፈተና ጸላኢ ሠናይት ዲያብሎስ ብምቅዋም ንሰማያዊ መንግሥቲ ንወርሰሉ  ምሥጢር ብምዃ ፈተናኡ'ውን ብኡ መጠን ክብድ ይብል እዩ። ብዙሓት ሰባት  ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ክጅምሩ ናይ  ገዛእርእሶም ሓጥያት ብምሕሳብ ብሓዘንን ብብኽያትን ኣብ ክንዲ ናብ ንስሓ ዝቀርቡ ናይ  ካልኦት በደል ኪቆጽሩ ይጅምሩ።

ናቶም ገዲፎም ብዛዕባ ካልኦት ኪዛረቡ ይጅምሩ። እሱ ከምዚ ጌሩ። እሳ ከምዚ ጌራ ምባል የብዝሑ። ኣንፈቶም ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቶም ኣብ ክንዲ ዝኸውን ናብ ካልእ ስለዝኸውን እቲ ክድኅንሉ ዝግባእ ወርቓዊ ናይ ንስሓ ግዜኦም ከይተጠቀምሉ ብኸንቱ የሕልፍዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና 1ይጢሞ.4  7  << ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ >>   ይብለና።

እቲ መንኩሴ ብዝተገለጸሉ ራእይ ንምድኅኑ ዝተጠቀመ ናቱ ናይ  ገዛእርእሱ ሓጥያት ምስ ረኣየ ምዃ ካብቲ ታሪኹ ሪኢና ኢና።

ንሕናስ ዝረኣየና ናይ መን ሓጥያት እዩ? ናትና ወይስ ናይ ካልእ?

ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

(For those who do not have Geez, please visit this link) BEKIE EYE ZIBIL MEAS EYU

3 comments:

  1. Gezae resena neknmermer Egziabher yehagzena....
    Amlake kedusan tsegeu yebzhlkum ahwat

    ReplyDelete
  2. ya bhaki kale egzabhere
    kale hiwet eu emo hiwet yhabkum

    ReplyDelete