Tuesday, June 5, 2012

ቅድስት ሰሎሜ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ቅድስት ሰሎሜ

ስንክሳር ግንቦት 25

ኣብዛ ቅድስት ዕለት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጋል ሓትነ ዝኾነት ቅድስት ሰሎሜ ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ።

እሳ ከኣ ጓል ማጣት፣ ጓል ሌዊ፣ ጓል ሚልኪ ፣ ጓል ካህን ኣሮን እያ። ንማጣት ሰለስተ ኣዋልድ ነበራኦ።
 ንሳተን ከኣ እታ ዝዓበየት ማርያም፡ ብድሕሪኣ ከኣ ሶፍያ እታ ሳልሰይቲ ከኣ ሃና ይበሃላ። ማርያም ቦኽሪ ንሰሎሜ ወለደት፡ ሶፍያ ንኤልሳቤጥ፡ ሃና ከኣ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እመ ብርሃን ወለደት ።


ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወለደት፣ ሰሎሜ ናይ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ውልድነት ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ካልኦት ኣንስቲ ልደት መሲልዋ  ተጠራጢራ ፣ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰውነታ  ክትድህስሳ ምስ ፈተነት መለኮታዊ ሓዊ ነእዳዋ ኣቃጸሎ። ነቲ ህጻን ምስ ተንከፈቶ ግና እተን ዝተቓጸላ ኣጻብዕቲ ሶሎሜ ዲሒኑ ናብ ንቡር ተመልሰ።  በዚ ምልክት ከኣ ድንግል ማርያም ብድንግልና ዝወለደት ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ኣመነት።

ሄሮድስ ንህጻናት ቤተልሄም ክቕተሉ ምስ ኣዘዘ፡ ካብ ገጽ ዝተረግመ ሄሮድስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሃድም ከላ ምስ ጻድቁ ዮሴፍ ብምዃና ሓቢራ ምስኣ ንስደት ብምኻድ ናይ ድኻማ ተኻፋሊት ኮይና እያ።  ኣብ ኩሉ ስደት ነዛ ቅድስት ስድራ ተገልግሎም ነበረት። ካብ ስደት ምስ ተመልሱ’ውን ። ንህጻኑ ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳሓቆፈት ፣እንዳሓጸበት እንዳሓዘለት ተግልግሎም ነበረት ። 33 ዓመታት’ውን ኣገልገለቶም።  ተኻፋሊት እቲ ኹሉ ሓዘን ’ውን ኮነት።

ኣብ መዋእለ ስብከቱ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ'ውን ኣይተፈለየትን፣ ኣብ ግዜ መከራኡ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኣንስቲ ስጋብ እግረ መስቀል እንዳልቀሰት ዝሰዓበት ቅድስቲ ኣደ እያ።


ኣብ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ መቃብር ምስ ቅዱሳን ኣንስቲ ቀዲማ ብምዃድ ቅድሚ ሓዋርያት ትንሣኤኡ ዝረኣየት ኣብ መዋእለ ስብከቱ  ኣደ እያ።

ኣብ በዓለ ሓምሳውን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝወረድሉ እዋን ምስ ዝኸበሩ ቅዱሳን ኣንስቲ ሰማያዊ ሃብቲ ተቀቢላ። ብዛዕባ ክብሪ ጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ሰቢኻ ዝመስከረትን ብክርስቶስ ብዙሓት ከም ዝኣምኑ ዝገበረት ቅድስት ኣደ እያ።

ካብ ኣይሁድ ብዙሕ ጸርፊ’ውን በጺሕዋ እዩ። ድሕሪኡ ብሰላም ዓረፈት ።
 ምስጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ። ብጸሎታ ይምሓረና።  በረከታውን ምስ ኩልና ይኹን።

አርኬ፣
ሰላም ለሰሎሜ በከመ ሰምዐት በዜና ፣
ልደተ አምላክ ዘርእየት እማርያም በድንግልና፣
ትቤሎ አሜሃ እንዘ ተሐቅፎ በሕፅና፣
ስብሐት ለከ እግዚኦ በኵሉ ሕሊና፣
ዘመጻእከ ውስተ ምድር በዝንቱ ትሕትና።

(for those who do not have Geez, please check on this link) KIDIST SELOME

No comments:

Post a Comment