Monday, June 25, 2012

ትሕትና (2)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ትሕትና
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ 2 ክፋል
ንትሕትና ከነጥሪ ዝሕግዙና ቃላት፡

1. ሓዘን፡
ቅዱስ ኣባ ሙሴ ጸሊም፡  ከምዚ ይብሉ “ሓዘን፡ ንኹሉ እኩይ ነገር ይሰጉግ” ። ብተግባር ሓጥያትካ ኩሉ ግዜ ምስ ትሓዝን ትሕትና ትለማመዳ።


ኣባ ኦግሪስ፡ “ዋላ እንተተናሳሕካ ከም ዝሓጣእካ ኣይትረስዕ። ሓጢኣትካ ዘኪርካ ድማ ጓሂ ንልብኻ ምስ ዝመልእ በረኸት ትሕትና ትረክብ። ብትሕትና ድማ ንትዕቢት ትቀትላ። ሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከምትሓብእ ጽድቕኻ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣይትግበር። ነፍስኻ ንሓደ ኣምላኽ እንተኣወፊኻያ  ትሩፋትካ ንዓኻ እምበር ነቶም ብደገ ንዘለው ሰባት ምርኣይ እንታይ ይጠቕመካ፤

2. ዘለፋ ካልኦት ምጽዋር
ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ “ነቲ ኣባና ዘሎ ትዕቢት ምእንቲ ክንጻወር ዘለፋ ካልኦት ንኽኣል። ቀጺሉ’ውን ሓደ ሰብ ዘለፋን ምውራድን እንተተጻዊሩ ትሕትና ክትውለደሉ እያ። ከምኡ’ውን ጓሂ ልቢ ብሽም ክርስቶስ ብትሕትና ምጽማም ነቲ ዝተሰብረ ልቢ ንምጽጋን ካብቲ ኃይሊ ዝህብ ኣምላኽ ኃይሊ ክንረክብ አና።”

ሓደ ቅዱስ ኣቦ፡ “ትሕትና ዘለዎ ሰብ ባዕሉ ንነፍሱ ዘዋርድ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ካብ ሰባት ከቢድ ዘለፋ ዝቕበል እሞ ዝሕጐስ ንምዕራይ ጌግኡ ድማ ዝጓየ እዩ”። ይብሉ።

ካልእ ቅዱስ አቦ’ውን፡ “ዮሴፍ ኣገልጋሊ ክኸውን ትሕት እንተዘይብል ነይሩ፡ በዓል ሥልጣን ኣይምኾነን። ሓደ መነኰስ ድማ ኣገልጋሊ ክኸውን ትሕት እንተዘይበለን እንተዘይተዋረደን ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ሥልጣን ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።”

ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ፡ “ቅድሚ ኩሉ መነኰሰ ትሕትና ባህሪኡ ክትከውን ይግባእ። ምኽንያቱ እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ስለዝኾነት። “ብመንፈስ ትሑታት ዝኾኑ ናብ ሰላም ኣምላኾም ይኣተው። ኣቦታትና’ውን ዘለፋ የሖግሶም ስለዝነበረ ኣኽሊል ክብሪ ለቢሶም እዮም።”

ሓደ ቅዱስ መነኰሰ ኣብ ገዳም ምስ ቅዱሳን ኣቦታት ዝነበር ዝነበረ፡ ንኣበምኔት እቲ ገዳም፡ “ኣብዚ ዘለው ኣቦታት ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት እዮም። ኣነ ግና ሓጥእ ስለዝኾንኩ ክጽረፍ ክዋርድ እዩ ዝግበኣኒ። ስለዚ ናብ ጸርፍን ሕማቕ ዘለፋን ዝቕበለሉ ቦታ ክኸይድ” ኢሉዎም ከደ።

ቅዱስ ኣባ ዳኒኤል፡ “ሓደ እዋን ኣብ ግብጺ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ ይብሉ። እዚ ሰብኣይ ሕማቕ መንፈስ ዘሳቕያ ጓል ነበረቶ። ኩሉ ፈቲኑ ግና ምሕዋይ ኣበየቶ። እዚ ሃብታም ሰብኣይ ሓደ መነኰሰ ፈታዊኡ ነበሮ። እዚ መነኰሰ ኣቦ ነቲ ሃብታም ከምዚ ኢሉ መኽሮ፡ “ጓልካ ካብዚ ዘለዋ ሕማም ክትሓዊ እንተደሊኻ እቶም ዓበይቲ መነኰሳት ከሕውይዋ ይኽእሉ እዮም። ናብኦም እንተወሰድካያ ድማ ብትሕትንኦም ዝኣክል ኩሉ ኣነ ደኣ እንታይ ይፈልጥ እናበሉ ናብቲ ካልእ ኣቦ ክሰዱኻ እዮም። ክትሓወየልካ ድማ ኣይክትክእልን እያ። ስለዚ እቲ ብኢዶም ዝሰርሑዎ ስርሓት ክሸጡ ምስ መጹ፡ ከም ዓዳጊ መሲልካ ናብ ገዛኻ ከምትውስዶም ግበር። ኣቡኡ ድማ ጸልዩለይ በሎም እሞ እታ ዝሓመመት ጓልካ ብቕጽበት ክትሓዊ እያ። ንዕዳጋ ምስ ከደ ሓደ ንእሽቶ መነኰስ ረኺቡ ንዓናይ ምሳይ ንገዛይ ምኽንያቱ ገንዘበይ ረሲዐዮ ኢሉ ኣመኻንዩ ንገዝኡ ወሰዶ። ኣቡኡ ድማ እታ ጓል ሃብታም ክትወጽእ ኣብ ኣፍደገ ጸኒሓ ነቲ መነኰሰ ጸፊዓ ገደፈቶ። እታ የማነይቲ መትልሕካ ንዝወቕዓካ እታ ካልኣይቲ ሃቦ ንዝብል ቅዱስ ናይ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽና ቃል ንምፍጻም ከኣ እቲ ንእሽቶ መነኰሰ ካልኣይቲ መትልሑ መለሰላ። እታ ጓል ኣብ ውሽጣ ሓዲሩ ዝነበረ ጋኔን ነዚ ግበሪ ምስ ረኣየ ማይ ኮይኑ ካብታ ጓል ሽዑ ንሽዑ ከምዚ እናበለ ጨደረ “ወይለይ ብትእዛዝ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብሓዊ ስለዘቓጽለኒ ወጺአ ኣለኹ” ። ነዚ ተኣምር ምስ ሰምዑ ዓበይቲ መነኰሳት ከምዚ እናበሉ ንስም ኣምላኽ ኣመሰገኑ “ኃይሊ ሰይጣን ዘምክኽ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምፍጻም እዩ።” ስለዚ ትሕትና ኃይሊ ሰይጣን ከምዘምከኸት ክንፈልጥ ይግባእ።

3. ብዘገበርናዮ ጽቡቕ ነገር ዘይምሕባን።
ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡
+ “ኣብ መዓልታዊ ተስተንትኖ ከመይ ከም ዝተዓወትካ ዘክር ግና ኣብ ነፍስኻ ኣይትተኣማመን። ከምዚ ኢልካ ድማ ንነፍስኻ ኣእምና “ምሕረትን ኃይልን ካብ እግዚአብሔር እዩ” በል። ክሳዕ መወዳእታ እስትንፋስካ ኣብዛ ዓለም ገይረ ኢልካ ኣይትመካሕ።”
+ ብጌጋ “ኣነ ከምዚ ገይረ” ኢልካ ንነፍስኻ ኣይተተዓሻሹዋ። ምኽንያቱ ካብ ኵናት ሰይጣን ኣይክትድኅንን ኢኻ።
+ ኣብ ሥጋኻ ክሳዕ ዘለኻ ብዝገብርካዮ ኣይትተዓበ።
+ ንነፍሱ ምልእቲ ጌራ ዝቖጽራ ኩሉ ጉድለቱ ኣብ ልዕሊኡ በሪኁ እዩ ዚርአ።
+ ሓጥእ ምዃኑ ዘይተኣመነ ሰብ ጸሎቱ ናብ እግዚአብሔር ክዓርግ ኣይክእልን።
+ ሓጢኣተኛ ዝኾነት ነፍሲ ከመይ ዝበለት እያ፤ መልሲ፡ “ሓጢኣታ ዝተሰከመት ነፍሲ ብሓጢኣት
ካልእ ዘይትላገጽ”

ማር ይስሓቅ፡
+ “ድኻሙ ዝፈለጠ ሰብ ናብ ትሕትና ዝበጽሐ እዩ”
+ ካብ ሓጢኣት ንጹህ እየ ኣይትበል፡ ኃይሊ ኣጋንንቲ ንኽትቓወም ኣብ ሥጋ ክሳዕ ዘለኻ ብኃይልኻ ኣይትወከል።
+ ብቕኑዕ ተግባሮም ዝዓበዩኻ ኣቦታት ዘክሮም እቲ ምንታይሲ ካብኦም ዝነኣስካ ምዃንካ ምእንቲ ክርደኣካ። ብትሕትና ምእንቲ ክትጓዓዝ ክንደይ ዓበይቲ ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ከም ዝወደቁ ዘክር። ድኻሙ ዘለሊ ሰብ ክንደይ ዕዉት እዩ፤ ኣብ ሕይወቱ ምንጪ በረኸትን ጸጋን ይዀኖ። ድኻሙ ምፍላጡ ኣመና ጥንቁቕ ይገብሮ። ኣብ ኣምላኽ ትውኩልቱ ይገብር ኃይሊ ከኣ ይውሰኾ። ድኻሙ ንዘይፈልጥ ሰብ ግና ውድቀት ዕቡያት ክወድቕ ኣብ ቀረባ እዩ። ብሕማም ዝላደየ ሰብ ንኻልኦት ዝድግፍ ከምቲ ዕውር መንገዲ ዝመርሕ ይመስል።
ኣባ ዮናስ፡ “ኩሉ እንተዘይየፍርስ፡ ነፍሰይ ምንዳቕ ኣይምኸኣልኩን”።

ሓደ ቅዱስ ኣቦ እዮም፡ ንብዙሕ ዘመናት ብጀካ ሓንቲ ቁራስ እንጀራ ምስ ጨው እሞ ከኣ ኣብ ሰሙን ካልእ ኣይበልዕን ነበረ። እዚ ከኣ ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአ ኮነ። ሓደ ግዜ አረጋዊ ኣቦ ክበጽሕዎ ምስ መጹ እሞ ነዚ ገድሉ ምስ ተዓዘቡ “ኣቦና ብዘይምብላዕካ ንነፍስኻ ባዕልኻ ተጥፍኣ ኣለኻ፡ ስለዚ ቅሩብ መግቢ ዘይትብልዕ ኃይሊ ክትረክብ” ቀጺሎም'ውን “ሕራይ ደሓን ሓንቲ ካብዚ ፍሩታ ብላዕ” በሉዎ። እቲ ቅዱስ ኣቦ፡ “ንምንታይ ክዛረብ ተደፋፍኡኒ፤ ዋላ’ኳ መግቢ ምስ ሓመድ ሓዊሰ እንተዝበልዕ ንኣምላኸይ ደስ ከብሎ ኣይክእል እየ። እንታይ ከምዘጋጠመኒ ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጦ።  ብምባል ከምዚ ኢሎም ነግርዎም። ሓደ እዋን እዩ ኣብ ድቃሰይ ናብ ፍርዲ ጐይታ በጻሕኩ። ኣቡኡ ድማ ብዙሓት ንኽፍረዱ ምሳይ ጠጠው ኢሎም ነበሩ። ብርቱዕ ራዕዲ ከኣ ሒዙኒ ነበረ። ከምዚ ከኣ በልኩ፡ “ኦ ኣምላኸይ ድኻመይ ዘክር”። ብኡ ንብኡ ድማ በዛ ቃል እዚኣ ተፈሪዱኒ። ኣውጺኹም ኣብ ደገ ደርብይዎ ከኣ ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ። ኣብ ኣፈይ ኢዱ ኣእትዩ ድማ መልሓሰይ ቆሪጹ ኣብ ኢደይ ክሕዛ ሃበኒ። እዚ ምስ ራእኹ ድማ ብብርቱዕ ራዕዲ ተበራበርኩ። ዝጨበጥኩዋ ኢደይ ምስ ራእኹ መልሓሰይ ኣብኡ ዘላ መሲሉኒ ከፈትኩዋ ግና ወላ ሓንቲ ኣይጸንሓንን። ነዚ ዝሰመዐ በጻሒ ኣቦ ብሓቂ ተገሪሙ እንታይ ከም ዝብል’ውን ጠፈኦ።

4. ፍቕሪ ኣሕዋት
ቑጥዓ ከምኡ’ውን ብቀሊሉ ምሕራቕ ከተወግድ ንትሕትና ተቐነት። ንኹሉ ክትኸስብ ፈትን። ቑጥዓ ኣብ መውዳእትኡ ናብ ጥፍኣት ስለትመርሓካን ካብ ኣምላኽ ስለተርሕቐካን ኣብ ትሕትና ተማዕቖብ። ትሕትና ንሰይጣን ተቓጽሎ፡ ትሕትና ምእዙዝነት ካብ ደቂ እግዚኣብሔር ናብ ኩሉ ደቂ ሰብ ተመሐላልፍ። እምነት ኹሉ ሰብ ድማ ኮነት። ፍቕሪ ዘለዎ ወለዶ ድማ ኣይወድቕን ካብ እግዚአብሔር ከኣ ኣይርሕቕን። ክድኅን ዝደሊ ሰብ ካብ ኩሉ ሥጋዊ ድልየታቱ ክናገፍ ኣለዎ። ሕይወቱ ትሕትና ኮይና፡ ከም ዝመውት ከኣ ከስተውዕል ይግባእ።

ናብ ኣባ ቢመን ዝመጸ መንእሰይ፡ “ኣቦ እንታይ ክገብር ትእዝዘኒ፤” ክብል ሓተቶ። እዞም ቅዱስ ኣቦ፡ “ኣብ ሕይወትካ ዕረፍቲ ክትረክብ፡ ብዛዕባኻ ሕማቕ ዝዛረብ ኣይትጽልኣዮ ኣፍቕሮ”።

            ሠናይ ኣካይዳን ትሕትናን
ኣባ ማር ይስሓቅ፡ “ልሳኑ ሠናይ ነገር ክትዛረብ ዘላምዳ ሰብ ውሽጣዊ ዝሠረቱ ሰላም ይረክብ።”
ንብረቱ ብዘይኣፈላላይ ብድንጋጸ ንለዋህን ንጨካንን ዘማቕል ሰብ ንኣምላኽ ይቐርብ። ንምስሊ ኣምላኽ ንዝተፍርጥሩ ኣኅዋቱ ዝንዕቕ ኣፍቓሪ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስም ኣምላኽ ክጽውዕ ዘይሓስብ ነቶም ምስኡ ዘለው ኣሕዋት መዐንቀፊ እዩ ዝኸውን።

ኣባ ኤልያስ፡ “ሰብ ትዕቢት እንተሃለዎ ፍቕሪ ኣሕዋት ብምንታይ ይጠቕሞ”

ንኣባ ጢሜቴዎስ ሓደ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፡ “ኩሉ ግዜ ነፍሰይ ኣብ ሑቕፊ ኣእዳው እግዚአብሔር ይርእያ፤” ትቕበል ኣቢሉ እቲ ቅዱስ ኣቦ ድማ፡ “እዝስ ኣየገርምን እዩ፡ እቲ ዘገርም ግና ሓደ ሰብ ንነፍሱ ትሕቲ ኩሉ ፍጡር ምስ ዝርእያ እዩ”።

ሓደ ቅዱስ ኣቦ፡ “ንጽህና ልቢ ዘለዎ ንዅሉ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ይረኣዮ ነፍሱ ግና ርኽስቲ ይቖጽራ።”

         ክትዕ ምጽላእን ዓወት ዘይምደላይን
“ካብ ብምትፍናን ዓወት ምርካብ ብትሕትና ክሰዓር ይበልጽ”።
“ዕረፍቲ ክንረክብ እንተድ'ኣ ደሊና ጥበበኛታት እንከሎና ዓያሹ ክንከውን ኣሎና” ሓደ ትቕብል ኣቢሉ “ከመይ ገይርና ጥበበኛታት እንኰለና ዓያሹ ንኸውን፤” መልሲ፡ “ንኣብነት ሓቒ ቃል ኣብ ማእከል ኣሕዋት እንተዛረብካ፡ ሓሶት ተዛሪቡ ሓውካ እንተተቓወመካ፡ ንሓውካ ከይተዋርድ፡ ሕፍረት ከይተሰመዓካ ሱቕ በል። ሽዑ ጥበበኛ ከሎኻ ዓሻ ምእንቲ ክርስቶስ ትኸውን።
ኣባ ማር ይስሓቅ፡ “ማይ ንታሕቲ ከም ዝውሕዝ፡ ቑጥዓ ንሓሳብና ከምኡ ይገብሮ”።

         በደልካ ናብ ካልእ ዘይምድርባይ
ይቕጽል . . .
(For those who do not have Geez, please check on this link) TIHTINA (2)

No comments:

Post a Comment