Friday, May 4, 2012

ሰማእት ቅዱስ ሚናስ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።


ሚናስ ካብ ፈርሃ እግዚአብሔር ዝነብሮም ወለዲ ብ285 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ኣናቅዮስ ዝተባህለት ከተማ ተወልደ። ስም ኣብኡ ኣውዶክስዮስ  ስም ኣዲኡ ድማ እፍምያ ይበሃሉ። 


ኣቦ ሚናስ ኣክሶሲዮስ ኣመሓዳሪ ናይ ኣናቅዮስ እዩ ዝነብረ። ብኹሉ ሠናይ ምግባሩ ከኣ ዝተፈተወ ኔሩ ። ኮይኑ ግና ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ጸላኢ ኩሉ ሠናይ ነገር ስለዝኾነ ቅንኣት  ኣብ ልዕሊ ሓው ብምሕዳር  ሓዉ ከኣ ንንጉስ ድቅልድያኖስ ብምእማን ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ናብ ኣፍራቅያ (ወይ ሕጂ ብቱርኪ ትፍለጥ) ከም ዝስደድ  ገበረ። ኣውዶክስዮስ ግና ፈሪሃ እግዚአብሔር ስለዝነብሮ በዚ ከኣ ብኹሉ ሠናይ ተግባሩን ኣብ ኩሉ ህዝቢ  ፍትው ነበረ።
ኣውዶክስዮስን እፍምያን ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ይሓስቡ ነበሩ  ኩሉ ግዜ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩ ነበሩ። እፍምያ ከኣ ኣብ ሓደ እዋን ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሥእላ ትጽሊ ነበረት። ደቂ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ጻዕዳ ዝማኦረገ ልብሲ ለቢሶም ምስ ደቆምን ኩሎም ቤተሰቦም ደስ ኢልዎም ክኣትዉ ከለዉ ርእያ።  ብኣማልድነታ ገባሪ ኩሉ ንዝኾነ ወዳ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ውላድ ንኸተውህባ ኣምሪራ ትነብዕ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ካብታ ሥእለ ኣድኅኖ “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ሰመዐት ። ናብ በዓል ቤታ ከይዳ ካብ ሥእለ እመ ብርሃን “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ከምዝሰምዐት ነገረቶ። ኣክሶሲዮስ ከኣ ንሰበይቱ “ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክኸውን እዩ።” ኢሉ ምስኣ ተሓጐሰ።

 ብድሕሪኡ ወዲ ወለደት። ሚናስ ዝብል ስም ካብቲ ዝሰምዓቶ ድምጺ ናይ እመ ብርሃን ኣውጸአትሉ። ሚናስ ቅሩብ ምስ ዓበየ ኣቡኡ ቃል ኣምላኽን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ክምህሮ ጀመረ። ሚናስ ወዲ 11 ዓመት ምስ ኣኸለ ወላዲኡ ዕድመ ጸጊቡ ብሞት ተፈልዮ። ድሕሪ 3 ዓመት ከኣ ወላዲቱ  ኣዲኡ ብሞት ተፈለየቶ ። ሚናስ ብንኡስ ዕድሚኡ ንበይኑ ንዓለም ገጠመ። ኩሉ ግዜ ብጾምን ጸሎትን ይጽመድ ስለዝነበረ ጸጋ ኣምላኽ ኣይተጋደፎን።  


ንጉስ ዲቅልድያኖስ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዝነበሩ ኣምልኾ ጣኦት ክነግስ መምርሒ ኣውጽአ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ቅዱሳን ሰማእትነት ዝተቀበሉሉ እዋን እዩ። ሚናስ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደ ካብ ወተሃደራት ድቅልድያኖስ ነበረ። ነዚ ኩሉ ክሕደት ምስ ተዓዘበ ግና፣ ኩሉ ዝነበሮ ነገራት ሸይጡ ንድኻታት ድሕሪ ምሃብ፡ ናብራ ነገሥታትን ሃብታማትን ራሕሪሑ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ብምዃድ ናብራ ብሕትውና ጀመረ።

 ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዓቢ መንፈሳዊ ገድሊ ይጋደል ነበረ። ሓደ እዋን ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ራእይ ከኣ ሰማይ ተኸፊቱ ሠማእታት ወርቒ ኣኽሊል ዝደፍኡ ድምጺ’ውን ሰመዐ። እቲ ድምጺ ከኣ “ምእንቲ ክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ነዚ ኣኽሊል ሠማእትነት ይበቕዕ።” ዝብል ነበረ። ሚናስ ሠማእትነት ክቕበል ከኣ ብኡንብኡ ከኣ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ተመሊሱ ክሰብኽን ክምህርን ጀመረ። ብዙሓት ካብ ክቡራት ስድራ ምዃኑ ስለዝፈልጡ ዝነበሩ ነቲ ዝብሎ ዝነበር ክገድፍ ይመኽሩዎ ነበሩ። ግና ንሱ ብክርስቶስ ሓንሳብ ስለዝኣመነ ብትብዓት ይምስክር ነበረ። ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ከይተረፈ ብትብዓቱን ተወፋይነቱን ስለዝፈልጦ፡ ቅድሚ ናብ ምድረበዳ ሰሃራ ምዃዱ ዝነበሮ ናይ ወተሃደራዊ መዓርግን ስልጣንን ካብኡ ንላዕሊ  ዝበለጸ ከም ዝህቦን ከም ዝገብረሉን ቃል ኣተወሉ። ቅዱስ ሚናስ ግና ንሰማያዊ ሃብቲ እዩ ዘቋምት ዝነበረ እምበር ምድራዊ ስለዘይነበረ ስብከቱ ቀጸለ። እቲ ኣመሓዳሪ ግና ንወተሃደራቱ ከሳቅይዎን ኣብ መወዳእታ’ውን ብበሊሕ ሰይፍ ርእሱ ክቆረጹዎን ኣዘዘ። ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ከኣ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ሠማእትነት ብ15 ሕዳር 309 ዓ.ም ተቀበለ።

ሬሳ ቅዱስ ሰማእት ሚናስ ኣብ ሓዊ ንሰለስተ መዓልቲ ክቃጸል ተኣዘዘ። ገለ ኣመንቲ ግና ነቲ ሬሳ ካብቲ ሓዊ ምስ ኣውጽእዎ ከምዘይተቓጸለ ተመልከቱ። ንኣምላኽ እንዳኣመስገኑ ስጋብ ዘመን ስደት ዘብቆዕ ድማ ብመግነዝ ገኒዞም ኣብ ጽቡቕ ሳንዱቕ ዓቐቡዎ።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ሰላማ ረኺባ ካብ ዓላውያን ነገሥታት ፈተና ነጻ ምስ ኮነት። ኩሉ መሰላ ምስ ተሓለወላ፡ ክርስቲያን እቶም ዝተረፉ ኣረሜናውያን ስለዘሸገርዎም ናብ ኩናት ወፈሩ። ናይቲ ኩናት መራሒ ዝነበረ ገድሊ ቅዱስ ሚናስ ብዓይኑ ዝረኣየ ስብ እዩ ዝነበረ። ሳንዱቕ ሬሳ ናይ ቅዱስ ሚናስ ምእንቲ  ክሕግዞ ተማሊኡ ኣብ መርከብ ብምጽዓን ተበገሱ። ብቅዱሳኑ ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ፣ ብቅዱሳኑ ተኣምር ክገልጽ ከሎ  ካብቲ ባሕሪ ፍልይ ዝበሉ እንስሳታት፡ ክሳዶም ንኣግማል ዝመስል ርእሶም ከኣ ተመን ቅርጺ ንዝነበሮም ካብ ባሕሪ ወጺኦም ነቲ ሬሳ ክልሕስዎ ናብቲ ሳንዱቕ ምስ ቀረቡ ካብቲ ሳንዱቕ ሓዊ ወጺኡ ኣቃጸሎም።  ኣብዚ ከኣ እግዚኣብሔር ብቅዱሳን ተኣምራት ክገበር ንርኢ። እቶም ሰባት ከኣ ኩሎም ነዚ ርእዮም ኣደነቁ።

  ካብ ኣለክሳንድርያ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምስ ደለዩ ንሬሳ  ቅዱስ ሚናስ ነቲ ሳንዱቕ ኣብ ገመል ምስ ኣቀመጡዎ እቲ ገመል ምንቅስቓስ ኣበዮም። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ገመል ፈቲኖም ግና ተማሳሳሊ ስለዝነበረ ኣብታ ዝነበሩዋ ቦታ ቀቢሮም ናይ መቃብር መፈለጥታ ገይሮም ናብ ቦትኦም ከዱ። ትእምርቲ እግዚኣብሔር ክግለጽ  ቅዱስ ሚናስ ዝተቀብረሉ ሓደ ጓሳ ይመላለስ ነበረ። እዚ ጓሳ ብብርቱዕ ቁስሊ ዝሓመመት በጊዕ ነበረቶ። ብርግጽ ኣበይ ከምዝተቀብረ ናይ መን መቃብር ከም ዝኾነ ዝፈልጦ ኣይነበረን። እታ በጊዕ ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ሚናስ ዘሎ ቅዱስ ሓመድ ምስ ደቀሰትን ካብቲ ዝፍልፍል ማይ ምስ ሰተየትን ካብ ኩሉ ቁስላን ሕማማን ነጺሃ። ፈጺማ ሓወየት። እዚ ተኣምር ዝተዓዘበ ጓሳ ብሓቒ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን ፈረሀ። ካብ ኣባጊዑ ዝኾነ ሕማም ከጋጥሞ ከሎ ካብቲ ሓመድ ወሲዱ ማይ ሓዊሱ ይለኽያን የስቲያን እሞ ካብቲ ዝነበራ ሕማም ትሓዊ። ካብ ጥሪቱ ሓሊፉ’ውን ዝሓመሙ ሰባት ከሕዊ ጀመረ። እዚ ዜና እዚ ክሳብ ቆንስጦንቲን ንጉሥ በጽሐ።

እዚ ንጉሥ እዚ ሓንቲ ጓል ነበረቶ። እዛ እንኮ ጓሉ ኩሉ ሰውነታ ብዘስካሕክሕ ቁስሊ ተሸፊኑ ነበረ። ንኽትሓውየሉ ናብቲ ቦታ ሰደዳ። ነቲ ጓሳ ከመይ ገይሩ ንጥሪቱ ከም ዘሕውየን ዝነበረ ሓተተቶ። ከምቲ ዝነገራ ገይራ ከኣ ሓመድ ምስ ማይ ሓዊሳ ንኹሉ ሰውነታ ለኸየቶ። ካብቲ ማይ'ውን ሰተየት ኣብታ መቓብር ዝነበረታ ከኣ ሓደረት። እዚ ኩሉ ክግበር ግና ናይ መን መቓብር ምዃኑ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ድቃሳ ሠማእት ቅዱስ ሚናስ ተራእያ፡ ከምዚ’ውን በላ፡ እዛ ደቂስክላ ዝለኺ መቓብረይ እያ፡ ኲዒትኩም ኣዕጽምተይ ክትረኽቡ እኹም። ንስኻ መን ኢኻ፤ ኣነ ሚናስ እየ። ኢሉ መለሰላ። ሚናስ ኣብ ምድቃሳ ስለዝረኣየት ብጣዕሚ ደስ በላ። እቲ ኩሉ ግዜ ዘሳቕያ ዝነበረ ቁስሊ ድማ ተቐንጢጡ ከም ዝጠፍአ ምስ ረኣየት ከኣ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰት ንኣምላኽ’ውን ኣመስገነት። ኣንጊሃ ከኣ ንገላዊኣ ነቲ ቦታ ኲዒቶም ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ከውጽእዎ ኣዘዘት። ነዚ ኩሉ ሓጐስ ከኣ ንንጉሥ ደብዳቤ ሰዲዳ ኣበሰረቶ። ንጉሥ ከኣ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ቦታ ሃነጸ። ብግዜ ንጉሥ ኣርካድዮስን ኦናርዮስን ብሽም እዚ ጻድቕ አቦ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሖም ከተማ’ውን ንኽገብሩላ ኣዘዙ። እዞም ቅኑዓት ነገሥታት ኣዕጽምቲ ቅዱስ ሚናስ ኣብታ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ገበሩ። ብዙሕ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ብፍቓድ ኣምላኽን ብ ኣማላድነት ቅዱስ ሚናስ ተገብረ።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝሓመሙ ናብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ይሓውዩ፡ ዝተፈላለየ ምልክታትን ተኣምራትን ይርእዩ ነበሩ። ጸላኢ ሠናያት ግና በዚ ስለዝተረበሸ ናዕቢ ኣለዓዒሉ እታ ቤተ ክርስቲያን ከምትፈርስ ገበረ። እታ ከተማ’ውን ዑና ኮይና ተረፈት። ሕጂ’ውን ጸላኢ ሠናያት ምእንቲ ክሓፍር ኣዕጽምቱ ካብቲ ዝነበሮ ኣውጺኦም ካልእ ቤተክርስቲያን ሰሪሖም ኣቐመጡዎ። ኣብዚ’ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ዝዓበየ ዘደንቅ ተኣምራት ተገብረ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሚናስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ።

ምንጪ፡ ስንክሳር ሕዳር 15
(For those who do not have Geez, please check this link) SEMAET KIDUS MINAS

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
       

2 comments:

  1. kale hiwet bkidusen geru hiwet zelewo berekt yhabekum

    ReplyDelete
  2. ቃል ሂወት የስማዓልና ብሩክ ሓወይ እግዚኣብሄር ኣምላክ ጸጉኡ የብዝሃልካ

    ReplyDelete