Friday, February 24, 2012

በላዒ ሰብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኪዳነምሕረት ዓመታዊ በዓል አብጸሓና!

ሰላም ለአእዛንኪ እለ ተበሥራ ኪዳነ፣ ሰላም ለአእዛንኪ እለ ተበሥራ ኪዳነ፣
እም አፈ ፈጣሪ ወልድኪ ዘባሕርየኪ ተከድነ፣ አምሕለኪ ማርያም ከም ኢታርእይኒ ደይነ፣ እንበለ ምግባር ባሕቱ እመ ኢይጸድቅ አነ፣ ቦኑ ለከንቱ ኪዳንኪ ኮነ።
ሰላም ለልሳንኪ ዘአፈድፈደ ቅዳሴ፣
እምካህናተ ሰማይ ሱራፌል እለ ይቀውሙ ቅድመ ሥላሴ፣ አዘክሪ ሊተ ማርያም ተዝካረ ኪዳንኪ አመ ድምሳሴ፣ በእንተ እስራኤል በገዳም ከመ አዘከረ አውሴ፣
ኪዳነ ሠለስቱ አበው ወጽድቆ ለሙሴ።
ሰላም ለቃልኪ ተሰጣዌ ቃል እምቃሉ፣
ለመልአከ ብሥራት ገብርኤል ዘጸዳለ ብርሃን ሠርጐ መንዲሉ፣ ማርያም ቅድስት ለእግዚአብሔር መካነ ኃይሉ፣
እንቋዕ እንቋዕ ወሀበኪ ኪዳነ ምሕረቱ ወሣህሉ፣
በዘቦቱ ጸዲቀ ኃጥኣን ይክሉ። (መልከአ ኪዳነ ምሕረት)

<<ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ
ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ>>።መዝ.፹፰፡ ፫-፬ (893-4)

ድኅነት በላዒ ሰብ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ 

ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ካብ ዘረድኡ (ዝነግሩ) መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓደ እዩ። ኣብ ዓመት  ወርሒ  ለካቲት 16 ወትሩ ዝንበብን ዝንገርን ዝትርጎምን እዩ። ሓደ ሓደ ሊቓውንቲ ዋላ እኳ ንበላዒ ሰብ ስምኦን ኢሎም እንተጸውዕዎ ርግጸኛ ስሙ ግና ግሁድ ኣይኮነን። እዚ ልሙድ ኣጸሓሕፋ መጽሓፍቲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 2617-18 ሓዋርያት ንጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስገንሸል ፋሲካ ክትበልዕ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደልይ በልዎ። ንሱ ድማ በለ ናብ ከተማ እከለ ኪዱ እሞ ጊዜይ ቀረበት፣  ምስ ደቂ መዛሙርተይ ምሳሕ ፋሲካ ኣባኻ ኸፋስግ ይብል ኣሎ መምህር በልዎ።።ፋሲካ ዝተዳለወሉ ቤት ዋና ቤት መጸዊዑ ስሙ ኣይተሓበረን።እከለብምባል ጥራሕ ተጠቂሱ ንረኽቦ። እዚ ዝኣመሰለ ኣብሃህላ ልማደ መጽሓፍቲ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዝመጸ ይንገር።

v ቀዳማይ ልዕሊ እቲ ፋጻሚ ሰብ ነቲ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ እግዚአብሔር ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ክብሪ ንመሃብ እዩ።
v ካልኣይ መንነት ስም ናይቲ ሰብ ምጽሓፍ ነቲ ጽሑፍ ዘንበበ ሰብ ኩሉ ትውልዲ ናይቲ ሰብኣይ ብምቁጻር ትውልዶም ከምቲ ኣይሁድደቂ ኣብርሃም ኢናዝብልዎ ከምኦም ንኸይምካሕ

ኣብ ጊዜ ትርጉም ነቲ ss ንምትርጋም ኣጸጋሚ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እዩ። ንኣብነት መጸውዒ ስም ግብጻውያን ፈርኦናትፈርኦንብዝብል ስም ጥራይ ዝተተርጎመ ብብሉይ ኪዳን ካብ እብራውያን ናብ ግሪኽ ምስ ተመልሰ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ፍሉይ ስፍራ ንዘለዎም ሰባት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ስም ይወሃቦም እዩ። ንኣብነት ንዞም ዝስዕቡ ንርአ፣

v ብምግባሮም፣- በላዔ ሰብ ስምኦን ስፋዪ ሳእኒ ስምኦን ፈሓቂ ቆርበት
v ብዝነበርዎ ኩነታት፣- ፈያታዊ ዘየማን (ብየማን ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለ ሽፍታ) ያዕቆብ ዘእልበረዲ (ቆርበት ገመል ዝለብስ ያዕቆብ) መጻጉእ (ሕሙም)
v ብመልክዖምን ቁመንኦምን፣- ሙሴ ጸሊም ዮሓንስ ሓጺር
v ብሃገሮምን ሃገረ ስብከቶምን፣ - ጎርጎርዮስ ዘኣርማንያ፣ ቂርቆስ ዘእስክንድርያ
v ብጸግኦምን ፍልጠቶም፣- ጎርጎርዮስ ነባቢ መለኮት፣ (ንነገረ መለክት ተንቲኑ ዘረድእ ጎርጎርዮስ) ፣ኣቡቀለምሲስ ዮሓንስ (ዮሓንስ በዓል ራእይ) ጎርጎርዮስ ገባሬ ተኣምራት

በላዒሰብ ከኣ ነዚ ስም እዚ ክውንን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ካብቲ ንቡዙሕ ዘመን ዝገበሮ ግብሪ ብምብጋስ እዩ። ኣብ ናይ ቤተክርክስቲያን ታሪኽ ብዝቀደመ ግብሮም ስሞም ኮይኑ ዝተርፈሎም ብዙሓት እዮም። ድሒሩ ብዝመጸ ግብሮምውን ስሞም ዝኾኖምውን ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ክልቲኡ ዘጣምሩ  ኣለዉ።ከም በላዒሰብ”  ዝበሉ ብዝቀደም ግብሮም ኪጽውዑ ከለዉ ከም በዓልማርያም በእንተ እፍረት” (ማርያም በዓልቲ ጨና) ግና ድሕሪ ንስሓኣ ዝመጸ ስም እዩ። ፈያታዊ ዘየማን ዘበሎ ድማ ፈያታዊ << ሽፍታ >>   ዝቀደመ ስሙ፣ ዘየማን (ብየማን ዝተሰቅለ ፣ክብሪ ዝረኸበ ) ዝበሃሉ ኣስማት ኣጣሚሩ ሒዙ እዩ።

  በላዒ ሰብ ብዛዕባ ትውልዲ ኮነ ዓዱ ዝተሓበረ ነገር የለን። ዓዱቅብርእዩ ዝበሃል ብመጽሓፍቲ ቤተክርስቲያን ዓዶም ዝተገልጸ ኣሎ ዘይተገልጸውን ኣሎ። ኣብ ሉቃ.5-12ኣብ ሓንቲ ዓዲ ከሎ….” ይብል። ስም እታ ዓዲ ግና ኣይተገልጸን። ሉቃ.10-38ኪኸዱ ከለዉ ድማ ኾነ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ።…” ይብል። ስም እታ ዓዲ ግና ኣይተገልጸን። ታሪኽ በላዒሰብ’ውን ካብዚ ልምዲ መጽሓፍቲ’ዚ ብምብጋስ ዝረአ እዩ። ቅምር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣበይ ከምእትርከብ መረዳእታ የለን።

በላዒ ሰብእ ኣብ ሰለስተ ዝተኸፍለ ታሪኽ ኣለዎ።

v ዘመነ ርህራሄ በላዒ ሰብ
v ዘመነ ጭካነ በላዒሰብ
v ዘመነ ንስሓ በላዒሰብ እዮም፣

1. ዘመነ ርህራሄ በላዒሰብ

  ታሪኽ ናይ በላዒ ሰብ ኣብ ሓደ ሓደ መጽሓፍቲ ኣይተገለጸን። በላዔ ሰብእ ኣቀዲሙ ናብራ ኣበ ብዙሃን ኣብርሃም ዝነብር ዝነበረ ለዋህ ሰብ እዩ ኔሩ። ኣጋይሽ ብምእንጋድ ዝተፈልጠ በዓል ዓቢ ጸጋ እዩ ኔሩ። ከምዚ ኢሉ እንዳነበረ ከሎ ጽድቂ ደቂ ሰባት ዘይፈቱ ጸላኢ ሰናያት ገባሪ እከይ ዲያብሎስ ሽርሒ ገበረሉ። ብኣምሳል ቅድስት ሥላሴ ተመሲሉ ናብ ቤቱ መጸ። በላዔ ሰብእ'ውን ከም ዘመነ ኣብርሃም ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ናብ ቤተይ መጺኦም ኢሉ ተዓጢቁ ኣእንገዶም። ዝሰብሐ ብተይ ድማ ከም ኣብርሃም ኣቕረበ፣ዲያብሎስ ድማ ፈታውየይ እንተ ኾንካ ወድኻ ሕረደለይበሎ። በላዔ ሰብእ'ውን ጽኑዕ ክርስቲያን ስለዝነበረ ንወዱ ሰውኦ። ኣምላኽ ድኅነተ ደቂሰባት እምበር ጥፍኣት ወዲሰብ ኣይደልይን እዩ። ኣብርሃም ንይስሓቅ ክስውኦ ዋላ እንተኣዘዞ ኣብ ክንዱኡ ግና እግዚአብሔር ብዕጸ ሳቤቅ ዝተኣስረ ገንሸል ሃቦ እምበር ንመስዋእቲ ይስሓቅ ኣይፈቀደን  ዘፍ.22-1-14 ዲያብሎስ ግና በላዔ ሰብእ ነዚ እኩይ ግብር' ንኽፍጽም ገበሮ። ድሒሩ ድማንዝሓረድካዮ ኣቀዲምካ ባዕልኻ ብልዓዮ።ኢሉ ኣዘዞ። በላዔ ሰብእ'ውን ነቲ ትእዛዝ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ተሰወሮ።

  በላዒ ሰብ ነዚ ኩሉ ዝበጽሖመንፈስ ኩሉ መርምሩ እምበር ኣይትእመኑ” (1 የሓ 4፡1) ዝብል ቃል ብምርስዑ እዩ። ከም ቅድስቲ ኣፎምያ ንግብሪ ዲያብሎስ ክምርምር ኔርዎ። ኣምላኽና ሞት ወዲሰብ ፈጺሙ ኣይደልይን እዩ፣ ኣሽንካይዶ ነቲ ለዋህ ህጻን ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ? ……………” ሕዝ.18-23 ዝብል ኣምላኽ እዩ፣ ኣብ ዘዳ፣18-10ወዲ ወይ ጓ ብሓዊ ዘሕልፍ ……………………. ኣባኻ ኣይረኸብኢሉ እዩ።

  በላዒ ሰብ ሥጋ ውላዱ ብምብልዑ፣ ደም ውላዱ ብምስታዩን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኢሉ ዝሓሰቦ ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ ካብ ዓይኑ ብምስዋሩ ዝፈጠረሉ ስንባደ፣ ኣእምርኡ ክስወርን ጠባዩ ክቅየርን ጌርዎ እዩ። ዲያብሎስ ንልቦንኡ ስለዝሰወሮ ድሕሪኡ ንዝረኸቦ ሰብ ኩሉ ክበልዕ ጀሚሩ።
  እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ ሓለዋን ረዲኤትን እግዚአብሔር ኣምላኽ ተፈልይዎ ወይውን ኣምላኽ ንገበርቲ ጽድቂ ዘይሕሉ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣብ ዩሓ.9-1-20 ዘሎ ታሪኽብዕውሩ ዝተወልደ  መምህር ዕውር ኮይኑ ዚውልድስ መን እዩ ዝበደለ ንሱዲዩ ወይስ ወለዱ ኢሎም ንጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓተትዎ ግብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ እዩ እምበር ንሱ ኣይበደለ ወለዱ ኣይበደሉ።ኢሉ መሊስሎም።

  ግብሪ በላዒሰብ'ውን ብመንጽር እዚ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ግብሪ እግዚአብሔር ብእኡ ኣቢሉ ንኽግለጽ ዝተሓጸየ ሰብ እዩ። ኣቀዲሞም ጽቡቅ ምግባር ዝነብሮም ዳሕራይ ብናይ ዲያብሎስ ፈተና ናብ እኩም ምግባር ዝኣተዉ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ሠናይ ንስሓ ዝመጹ ካልኦት ኣቦታትውን ኣሎዉና። ካብዚኦም ሓደ ንጉሥ ሰሎሙን እዩ። ስም እግዚአብሔር ዝሓዘ ሰሎሙን ጥበብ ተገሊጽሉ ቤተ መቅደስ ክኅንጽ በቂዑ እዩ። ክልተ ጊዜ ምስ እግዚአብሔር ተዘራሪቡ እዩ። 1ይነገ፣-11-10-12 ዳሕራይ ግና ንጣኦት ኣምሊኹ ምስ ቡዙሓት ኣህዛብ ኣንስቲ ብምዃ ንእግዚአብሔር ኣሕዚኑ እዩ።

  መፈጸምታ ንጉሥ ሰሎሙን መጽሓፍ ቅዱስ ተንቲኑ ኣይነግረናን እዩ። ሊቓውንቲ ቤተክርስቲያን ግና ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተጠቅሱ ጽሑፋት ብምእካብ ከምቶም ጻድቃን ነገስታት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ።”1ይነገ.11-10-43 ኣብ መጽሓፍ መክብብውንኣነ ኣባኺ ኢየሩሳሌም ንጉስ እስራኤል ነበርኩ።መክ.1-12 ብምባል ምስተመልሰ ነቲ ዝቀደመ ግብሩ ገሊጽዎ እዩ። ብምባል ይነግሩና።

  ንጉሥ ሰሎሙን መጽሓፍ መክብብ ዝተባህለ ናይ ተግሣጽ መጽሓፍ ዝጸሓፎ ድሕሪ ንስሓ ምእታው እዩ። ነዚ እዩ ድማቃላት ሰባኺ ወዲ ዳዊት ንጉስ ኢየሩሳሌምበለ እምበር ስሙ ኣይጠቀሰን ከንቱነት ናይዛ ዓለም ኣብ ዝተረደኣሉ እዋን ከምዝነበረ ኣጸቢቁ ኣረዲኡና እዩ። ብትንቢተ ሕዝቅኤልግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝነብሮ ኩሉ ሓጢኣት እንተተመልሰ ኩሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተሓለወ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተገበረ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።ሕዝ.18-21-22 ብምባል ብዝኣተዎ ቃልኪዳን ንንጉስ ሰሎሙን ሚሒሩዎ እዩ። ታሪኽ በላዒሰብውን ብመንጽር እዚ እዩ ዝርአ።

2.  ዘመነ ጭካነ በላዒ ሰብ

  በላዔ ሰብእ  ሕልንኡ ድሕሪ ምጥፋእ ብመጀመርታ ንቤተሰቡ  በልዔ። ድሕሪኡ መስተይ ማዩኡን ኩናቱን ሒዙ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ከደ። ፍቐድኡ እንዳዞረ ከኣ ብጉልበቱ ኣንበርኪኹ ብኩናቱ ኣፈራሪሑ ንዝረኸቦ ኩሉ ክበልዕ ጀሚሩ።  ኣብዚ እዋን እዚ በላዔ ሰብእ ፈጺሙ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዲያብሎስ ዝኣተወሉ ጊዜ እዩ። ንኣብነት ኣብ ..19-11-18 ንረኽቦ ታሪኽ ዝርከብ ሰብ ዲያብሎስ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ ዘእተዎ ሰብ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ተኣምራት ዝተዓዘቡ ሓደ ሓደ ሰባትበቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ብኢየሱስ ክርስቶስ ስምእናበሉ ንኣጋንንቲ ዋላኳ ከውጹኡ እንተፈተኑ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብዘሊሉ ክሃርሞም ነደረ ስጋብ ዝቆስሉ ከኣ ሃዲሞም ተበታተኑ።ዲያብሎስ ንሰባት ሙሉእ ብሙሉእ እንድሕር ተቆጻጺርዎም ጠባዩን ግብሩን ጉልበቱን ከይተረፈ እዩ ዝወሃዶም።

3. ዘመነ ንስሓ በላዒ ሰብ እዮም፣

  በላዔ ሰብእ ንዝረኸቦ ኩሉ እንዳበልዐ ናብ ሓንቲ ዓዲ በጽሐ። ኣብቲ ዓዲ'ውን ዝበልዖ ሰብ እንዳደለየ ከሎ ሓደ ሙሉእ ሰብነቱ ብቁስሊ ዝተወረረ ሰብ ረኸበ፣ ክብልዖ ድማ ደለየ። እቲ ዝሓመመ ድኻ ሰብ ግና ብጣዕሚ ማይ ዝጸምኦ ነበረ እሞ ንበላዔ ሰብ ብስም እግዚአብሔር ብስም ጻድቃን ሰማእታት ማይ ከስትዮ እንተለመኖ በላዔ ሰብእ ግና ክርህርሃሉ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታብስም ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምኢሉ ምስ ለመኖ እዚኣ ለዋህ ምዃና ዛንተኣ ኣለኒ ርህርህቲ ብልመንኣ ካብ ሲኦል ከም ተድሕን ካብ ቁልዕነተይ ጀሚረ ዝሰምዖ ዝነበርኩ እዩ። ኢሉ መለሰ።

  ስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዒሰብ ናይ መበራበሪ ደወል እዩ ኾይኑዎ። ስም ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝያዳ ካብ ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር ዝያዳ በሊጹ ኮይኑ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ካብ ብቁልዕነቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ህርራሄኣን ኣማድነታን እንዳተማህረ ስለ ዝዓበየ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስማ ቀሪጹ ስለዝነበረሉ እዩ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ስለዝሓገዞ እዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መከራኡን ሞቱን ብዙሕ ነገር ነጊርዎ እዩ። ክህረም ፣ክጽረፍ ክፍረድ፣ ተዓዚቡ እዩ። እዚ ኩሉ ግና ልቦንኡ ካብቲ ናይ ድቃስ ክሕደቱ ኣይበራበሮን:: ዘበራበሮ ግና ድምጺ ደርሆ እዩ። ማቴ. 2657-75
  
  እዚ ማለት ካብ ልዕሊ መከራ ክርስቶስ ድምጺ ደርሆ በሊጹ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ “  ደርሆ ከይነቀወ ሰለስተ ጊዜ ክትክሕደኒ ኢካ።ዝበሎ ቃል ናይ ድኅነት ምኽንያት ክኾኖ ምእንቲ ኣብ ልቦንኡ ስለዘትረፈሉ እዩ።

  በላዔሰብ  “ናብ ልቦንኡ ተመልሰእቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ልቡ ከም ዝተመልሰ ካብ ጥፍኣት ንምምላስ ከምዝወሰነን ሠናይ ግብሪ'ውን ከምዝገበረ። ሉቃ.15-16 በላዔሰብእ'ውን ናብ ልቡ ምስተመልሰ ጨካን ዝነበረ ልቡንኡ ራህሪሁ ፣ነቲ ድኻ ቁሩብ ማይ (ዕማኾ ማይ) ሃቦ። ኣብ ህይወቱ'ውን ውሳኔ ወሰነኣብ በዓቲ ኣቲዩ'ውን፣ እኽሊ ካብ ዝበልዕ ሞት ይሕሸኒ ኢሉ፣ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ብጥሜትን ጽምእን ሞተ።እቲ ኹሉ ዝገብሮ ዝነብረ ሓጥያት ስለዝተረድኦ ኣብ ልዕሊ ገዛ ርእሱ ፈረደ። ኣባ መቃርዮስ << ወደይ ንስኻ ንነፍስኻ ባዕልኻ እንተፈረድካያ እግዚአብሔር ፍርዱ ከልዕለላክ እዩ።
ንስኻ ንነፍስኻ እንተዘይፈረድካያ ግና እግዚአብሔር ክፈርደካ እዩ።>> ከምዝበሉ በላዔሰብእ ኣብ ንገዛእ ርእሱ ፍርዲ ሃባ።

  ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌል ሉቃ.189-14 ከምዝገለጾ ፈሪሳውን ተጋውን ክልቲኦም  ንጸሎት ናብ ቤትመቅድስ መጹ። እቲ ፈሪሳዊ ንነብሱ ኣዕብዩ ጻድቅ ብምግባር ንኻልኦት ብምንዓቅ ጸለየ።
እቲ ተጋዊ ግና ንላዕሊ ክጥምት ኣይከኣለን። ኣምላኸይ ንዓይ ንሓጥያተኛ መሓረኒ እንዳበለ ይበኪ ነበረ። ጎይታናውን  ልዕሊቲ ፈሪሳዊ ናይቲ ተጋዊ ጸሎት ተቀባልነት ከምዝረኸረበ ነጊሩና እዩ <<  ገዛእ ርእሱ ዜትሕት ኩሉ ግና ልዕል ኪብል እዩ እሞ እቲ ተጋዊ ጸዲቁ ናብ ቤቱ ተመልሰ እብለኩም ኣለኹ።>> ኢሉ ሚሂሩ እዩ።

  ፈያታዊ ዘየማን ሙሉእ ዘመኑ ብሽፍትነት ዘሕለፎ እዩ። ኣብ መፈጸምታ ግና ብፍቃድ እግዚአብሔር   ብየማናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቕለ። መጀመርታ ከም ፈያታዊ ዘጸጋም ይጻረፍ ነበረ፣ ማቴ.2744 ዳሕራይ ግና ሰለሰተ ተኣምራት ኣብ ሰማይ፣ ኣርባዕተ ተኣምራት ኣብ ምድሪ ምስ ረኣየ ናብ ልቡ ተመልሰ። ሉቃ.2340 ንገዛእርእሱ ነቀፈ፣ ከሰሰ፣ ንብጻዩውን ገሰጾ።

  ድሕሪኡ'ውን ብዛዕባ ጎይታ ንጽህና መስከረ። ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ ኢሉውን ለመነ። ብናይ ሰብ ሚዛን ክርአ ከሎ ኣብ መዋእሉ ሽፍትነቱ ዝግበሮ ቅትለትን፣ ዓመጽን ካብ ሰዓት ዓሰርተ ክልተ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ምስቲ ዝገብሮ ዝነብረ ግብሪ እንተዝነጻጸር (እንተዝምዘን) እቲ ናይ ቀደም ግብሩ ምስዛየደ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ፈያታዊ ዘየማን ብንስሓ ምምላሱ እዩ ሚዛኑ ዛይዱ። ነዚ  እዩ ከኣ << ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከምእትኸውን ብሓቒ እብለካ ኣለኹ፣ በሎ።>> ሉቃ.2343 ዝብል ቃልኪዳን ዝኣተወሉ።

  ድሕሪ' ተኣምረ ማርያም ዝነግረና (ዘዘንትወልና) ድኅነት በላዔሰብእ እዩ።   ናይ በላዒሰብ ነፍሲ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ኣብ ፍርዲ ደው በለት፣ ናይ መጀመርታ ፍርዲ'ውን ተሰምዐ፣ <<  ነዛ ነፍሲ እዚኣ ናብ ሲኦል ውሰድዋ ትብል፣>> እዚ ፍርዲ እዚ ርቱዕ ፍርዲ  እዩ። ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ረዲኤትን እንትዘይውሰኾ ኔሩ ኣብ ልዕሊ ደቒሰባት ክፍረድ ዝኽእል ዝነብረ እዩ።

  ብዘመነ ንጉስ ሕዝቅያስ ንጉስ ሕዝቅያስ ብዝገብሮ ሓጥያት እግዚአብሔር ከምዚ ድማ በሎ << ንስኻ ክትመወት ኢኻ እምበር ኣይክትሓውን ኢኻ ..>> 2ይነገ.20.-1 ኮይኑ ግና ሕዝቅያስ ብንስሓ ተመልሰ ፣ሓዘነ ነብዐ፣ እግዚአብሔር ከኣ ንብዓቱ ተቀቢሉ 15 ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊድሚኡሰኸሉ።
2.ነገ.205 እታ << ክትመወት ኢኻ >> ዝተባህሎ ፍርዲ ናይ ዝቀደመ ሓጥያቱ ምሕረትን ወሰኽ ዕድመ ድማ ዓስቢ ንስሓኡ ዘርኢ እዩ።

  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዔ ሰብ መሓረለይ ኢላ ንወዳ ለመነቶ። ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓለም ዘለዉ ቅዱሳን ሰባት ልመና፣ ስግደት፣ ምውዳቅን ምትሳእን ሃሊዎም ዘይኮነ በቲ ዝቀደም ቃልኪዳና ምሕረት ከምተውህብ  ከም ተማልድ ንምሕባር እዩ። ኣብ ራእይ ዮሓንስ <<  ቅዱስን ሓቐኛን  ጎይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እንዳበሉ ጥርዑ >> ራእ.610 እንዳበሉ እቶም ብኣጸደ ነፍሲ ዘለዉ ቅዱሳን ከምዘዛኸርዎ ምዝካር ማለት እዩ። ምኽንያቱ << ብጎይታ ዝሞቱ ምውታት ብጹኣን እዮም፣ እወ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም ይብል መንፈስ።>>ራእ.1413

  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ምምላድ በላዔሰብእ ክልተ ነገራት ኣዘኻኺራ እያ። እሱ ከኣ ናይ መጀመርታ ዝገብሮ ጽቡቅ ምግባር እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ብዓቅሙ ብግዚኡ ከይቆጠበ ዝገብሮ ሠናይ ግብሪ ዋላ ብኣተሓሳስብኡ ንእሽተይ ትምሰሎ እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ዓቢ ዓስቢ ኣለዋ። << ኢየሱስ ቁሊሕ እንተበለ እቶም ሃብታማት ኣብቲ መቀበሊ ምጽዋት መባእ ከውድቁ ከለዉ ረኣየ፣ ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ክልተ ሳንቲም ከተውድቅ ከላ ረኣየ፣ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ካብ ኩላቶም ኣብዚሓ ከም ዘወደቅት ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ።>>ሉቃ.211-4 እዚኣ መበለት እታ ዘላታ ዝርካባ እያ ሂባ። ዓቅማ ዝፈቀዶ ዝርካባ ስለ ዝገበረት ከበረት። በላዔሰብእውን ድሕሪ ምንስሑ እታ ዝርካቡ ማይ ሂቡ። እታ ክእለቱ ጌሩ እዩ እሞ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ነዚ ኣዘኻኸረት።

  ካልኣይ ድማ ቃልኪዳና ኣዘኻኺራቶ። እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ዝሃቦም ቃልኪዳን ኣይዓጽፍን እዩ። ንህዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ከውጽኦም ከሎ<<ናብታ   ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ያዕቆብን ክህቦም ኢደይ ዝዘርጋሕኩላ ምድሪ ከኣ ከእትወኩም እየ። ንሳ ድማ ንርስቲ ክህበኩም እየ። ኣነ እግዚአብሔር እየ።>> ዘጻ.6-8። 

  እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰሎሙን ዋላ እንተተቆጥዐ ንዳዊት ዝኣተወሉ ቃልኪዳን ግና ኣይረሰዐን። <<  እዚ ስለዝገበርካ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኪዳነይን ሕግታተይን ድማ ስለዘይሓለኻ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ወሲደ ንጊላኻ ክህቦ እየ። እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን እየ ነታ መንግስቲ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝወስዳ፣ ግናኸ ብኹላ ኣይወስዳን እየ፣ ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ ኢዮርሣሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገር ክህቦ እየ። በሎ>> 1ይነገ.1111-13  ኣብ ነቢይ ዳዊት ሓዲሩውን << ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።>> በለ። መዝ.893-4 ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወዳ ዝኣተወላ ቃልኪዳን ኣዘኻኸረት። << ጎይታናውን ማሕላይ ኣይርስዕን እየ በላ።>> ዝኣተኹልኪ ቃልኪዳን ኣይርስዕን እየ ማለቱ እዩ።

  እዚውን << እግዚአብሔርውን ንዳዊትብሓቒ መሓለሉ፣ ብዝመሓለሉውን ኣይጠዓስን እዩ።>> መዝ.13211 ኣይጠዓስን ማለት ኣየፍርስን ኣይድምስስን ማለት እዩ።

  በላዒሰብ ዘጥፍኦም ነፍሳትን ዝሃቦ ዕማኾ ማይን ብሚዛን ተምዚኑ። ኣብ ሰማይ ሚዛን ኣሎ ማለት ኣይኮነን ግና ሚዛን ምሳሌ ፍርዲ እዩ። ንብዩ ዳኒኤል ንብልጣሶር  << ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ፣>> ኢልዎ። ዳኒ.527 ኣብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚአብሔር ቀሪብካ ኮይኑ ግና ቀሊልካ ጽቡቅ ግብሪ የብላካን ማለት እዩ። መጀመርታ ናይ በላዔሰብእ ጥፍኣት መዚኑ፣ ኮይኑ ግና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽላላ ምስ ኣውደቀትሉ እቲ ቀሊሉ ዝነበረ ሠናይ ግብሩ ልዒሉ እተን ዝሃበን ዕማኾ ማይ መዚና። ጽላል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ፣-

  •           << ደቂ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣኽናፍካ የጽልሉ፣>> መዝ.36-7 እዚ ማለት ብኽንፊ ረዲአትካ ምሕረትካ ማለት እዩ።
  •     << ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እነኹ።>> መዝ.57-1 ኣብ ምሕረትካን ለወሃትካን ተጸጊዔ ኣለኹ ማለት እዩ።

  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽላሎታ ኣውደቀትሉ ማለት ኣብ ልዕሊ ኣማላድነታ ቃልኪዳና ተወሲኽዎ ማለት እዩ። << ሽዑ ኼጥፍኦም ደለየ ተዛረበ፣  ግናኸ ሙሴ እቲ  ሕሩዩ  ከየጥፍኦም ቁጥዓኡ ምእንቲ  ኺመለስ  ኣብ    ቅድሚ  ገጹ ኣብ  ማእከል ቆመ  >>መዝ.10623 እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ብዝገበርዎ በደል ከጥፍኦም ደለየ፣ ኮይኑ ግና ናይ ሙሴ ጸሎትን ኣማላድነት ተቀቢሉ ይቕረ ኢሉሎም። ዋላ እኳ እቲ ዝገብርዎ ሓጥያት ናብ ፍርዲ ዘብጽሕ እንተነበረ ናይ ሙሴ ኣማላድነት ግና ዝያዳ ሚዛን ደፊኡ።

  ናይ በላዔሰብእ ነፍሲ ብናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዲኂና። እዚ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ለውሃትን ዘርኢ እዩ። ናይ ፈያታዊ ዘየማን ምሕረት ምርካብ፣ ናይ በላዔሰብእ ገነት ምእታዉ እግዚአብሔር ብንስሓ  ዝሕጸቡን ተጣዒሶም ንዝምለሱ ኩሎም ደቁ ዝህቦ ኽብሪ ዘርእየና ዓቢ ምስክር እዩ። ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ማዕረ ክንደይ ሓይሊ ከምዘለዎ ዘረድእ እዩ።

  ስለዚ እዚ ብምዃኑ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ምስ መሠረታዊ ናይ ድኀነት ትምህርቲ ዘይጋጮ እኳ ድኣ ብዝያዳ ሕብረት ዘለዎ ትምህርቲ ዘረደኣና እዩ።

  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ሳህሉን ይሃበና። ኣማላድነት ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና!

(For those who do not have Geez try this PDF link) BELAEI SEB
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!


No comments:

Post a Comment