Sunday, February 5, 2012

ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልዴ ወመንፈስ ቅደስ አሃደ አምላክ አሜን!

እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱ̕ውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11።
ጾመ ነነዌ

ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ጥሪ 30 (Monday, February 6- February 8) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።

ኣምላክ ቅደሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና!

ጾመ ነነዌ
ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅደስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ. 10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብሃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሰርሕዎ ክፋትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ርህራሄ ዘለዎ ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣህዛብ መንዯር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ዴማ ከምቲ ነብያት ናብ ዯቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይዴ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይዴ ንርእዮ።
ቅደስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ዴሕነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሂወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡ ክወስዶ ንርኢ። ኣቀዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዲልዩ፣ ቀጺሉዉን እቲ ነባሪ ዓሳ ንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከድ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስ ናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳኦ ናእሽቱኦምውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቀመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገደን ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰ መን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔርውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየዴልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን'ውን ነዚ ብምዝካር <<ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕር ተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝደሓኑ፣ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድሕን ። ኢልና  በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብ ረቡዕ << ጾመ ነነዌ >> ብምባል ንጾሞ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዓብይ ጾም ለካቲት 12 ስለ ዝኣቱ ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ረቡዕ 30 ጥሪ ንጸውም።

ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድሕን ኣምላከ ቅደሳን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዱቱ ዴንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

No comments:

Post a Comment