Friday, February 3, 2012

ማዕተብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!


ማዕተብዐተበካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ በለ፡ (ገላ617) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።

ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 3812-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ። 

ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡውን ብጥምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራማዕተብምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
 
ትርጉም ማዕተብ ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና እምነት ዘለዎ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም ድሕሪ ምባል ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። በለ (1 ቆሮ 620) ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 1032) ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጐይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 617)።

ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3 ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓነና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን ስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን ይገልጽ። 3 ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደ ንልዑል ብዝኾነን ብጐይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ። ትርጉም ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና (2 ቆሮ 410) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድናውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።

ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 19-11) ቅዱሳን ኣበው፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈሊጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ንኣት ክጽሕፈልኩም ምስደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)

ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!! (Click to read in PDF)

3 comments:

  1. ሰላም ናይ ቅድስ ኣምላክና ምሕረቱ ኣይፈለየና ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስ ድንግል ማርያም ናይ ኩሎም ቅድሳን በረከቶም ኣይፈለየና ኣሜን ። እዛ ማዕተብ ትብል ዘላ ትምህርቲ ጽቡቅ እንተኮነ ግና እቲ ናትካ የስስ ኢላካ ጺሒፍካዮ ዘሎ ካ ናይ እምነት ኪርስትያን ኣጸዋውዓ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ናትካ የስስ ምስ እዛ መንነት ዚኮነት መለለይት ክርስትና ርክብ የብላን።

    ReplyDelete
    Replies
    1. This comment has been removed by the author.

      Delete
    2. ፍጹም ክርስቶሳዊ ሰላምታ ንዓኻ ይኹን ተወልደመድህን ሓውና፡

      ብሓቂ ኣብ ምድሪ ከሎኻ ኣበርካ ዝነግረካ ዘፍቅረካ እዩ። ጐደሎ ሰባት ስለዝኾና፡ ብሓቂ ድማ ብሸለልትነትን ዘይምስትውዓልን ዝተገብረ ስራሕ ኩሉ ግዜ ሃጓፍ ይርከቦ። ሓጢኣትናን ኣበሳናን ከይተመልከተ ኩሉ ሰናይ ሰበለ ዝምግበናን ዝንከባኸበናን ዘሎ ሰማያዊ ኣምላኽና እግዚኣብሔር፡ ብዓይኒ ምሕረቱ ይጠምተና። ኣብ ጸሎትካ ድማ ንድኹማት ኣሕዋትካ ሓደራ ኣይትረስዓና።

      ኣብ ቀጻሊ ድማ፡ ርኢቶኻን ተሳትፎኻን ኣይፈለየና።

      ሰላም ኣምላኽ፡ ጸጋ ጐይታናን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

      ቃና ዘገሊላ

      Delete